ዛምብያ፡ ሰብ መዚ ብኣናጹ ዝተወረረ ሆስፒታል ኣብ ጸገም ወዲቖም

ኣብ ዛምብያ ኣብ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ምዃኑ ዝግለጽ ሆስፒታል እታ ሃገር፡ ኣናጹ ኣብ መደቀሲ ክፍልታት ሕሙማን ናብዝን ናብትን ክብላ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ሰብ መዚ እቲ ሆስፒታል ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብ ዞባ ኮፐርቤልት ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ሆስፒታል ኪትዌ፡ ኣናጹ ኣብ ጥቓ ዓራት ናይ ሓደ ሕሙም ንዝርከብ ጎማ ክጉርጉራ ይረኣያ።

እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢተት ኣዘራራቢ ድሕሪ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጥዕና ቺታሉ ቺሉፍያ ናብቲ ሆስፒታል ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካዪዱ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ ኣካየድቲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ኣዚዙ።

እቲ ቪድዮ ንመንግስቲ ኣዝዩ ዘሕፍር ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ እቶም ዝምልከቶም ምላሽ ክህቡ ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።