ኣብ ጓይላ ተሓቢኦም ዝጻወቱ ዝነበሩ ተጸቓቒጦም፡ 13 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ፔሩ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተነበረ ኣዋሽ ዕጽዋ ዕሽሽ ኢሎም ተሓቢኦም ይጉይሉ ካብ ዝነበሩ ሰባት፡ ብውሕዱ 13 ሰባት ሞይቶም።
እቶም ሰባት፡ ናብቲ ተሓቢኦም ይፍስህሉ ዝነበሩ ቦታ ፖሊስ ምስመጹዎም እዮም፡ ክሃድሙ እንትብሉ ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ህይወቶም ሓሊፉ።
ገለ መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም ነይሮም።
ፕረዚደንት ማርቲን ቪዝካራ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ጎይላ ይሳተፉ ካብ ዝነበሩን 23 ሰባት እቶም 15 ዝተኣሰሩ ኮይኖም፡ ብምርመራ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም እዩ።
ፔሩ፡ ሓንቲ ካብተን ብኮቪድ-19 ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እያ።
ዛጊት፡ 576,000 መልከፍትታት ዘመዝገበት ኮይና 27 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶምዋ እዮም።
ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሰዓተት ምሸት ምንቅስቓስ ክልኩል ኮይኑ እዩ።
ካብ’ቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት ዝርከቡሎም ምትእኽኻባት’ውን ተኸልኪሎም እዮም።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ኣብ’ቲ ብቐዳም ዝካየድ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ናይ ልደት ድግስ ልዕሊ 20 ሰባት እዮም ተሳቲፎም።
ፖሊስ ናብ’ቲ ጓይላ ዝግበረሉ ዝነበረ እንዳ ትልሂት ኣድብዮም ኣብ ዝኣትውሉ፡ ኣብቲ ድግስ ዝነበሩ ሰባት ብሓንቲ ጸባብ ማዕጾ ክሃድሙ እንትፍትኑ እዮም ተጸቓቒጦም።
ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመኦም ዝርከቡ፡ 11 ደቂተባዕትዮን 2 ደቂኣንስትዮን ድማ ሞይቶም።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ፖሊስ መንብዒ ትኪ ኾነ ዝኾነ መሳርሒ ከምዘይተጠቐሙ እዩ ዝገልጽ።
ሓደ ነባሪ ናይቲ ኸባቢ ግን ፖሊስ ናብ’ቲ እንዳ ትልሂት ምስኣተወ መንብዒ ትኪ ተጠቒሙ እዩ ይብል።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ድማ፡ ወነንቲ ናይቲ እንዳ-ትልሂት ዝኾኑ ሰብ ሓዳር ይርከብዎም።
ፔሩ፡ ዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ቀዲመን ዕጽዋ ካብ ዝኣወጃ ሃገራት እያ። እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ መልከፍትታት ይውስኽ እዩ ዘሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







