እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣሸንዳ እንትመጽእ ሽማ ዝለዓል ግውሕ መቐለ መን’ያ?
'ኣሸንዳ ናይ ዓሚ ናይ ዓሚየ . . . ተጋኒና ሎሚየ'፥ 'ኣዋልደይ ሎሚ ዕበዳ . . . ላዕላይ ሰማይ'ዶ ኣለዎ ሜዳ' እናተባህለ ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ ዝጻወታሉ፣ ተጸባቢቐን ናብ ኣደባባይ ዝወጽኣሉን ዝተሓዋወሳሉን መዓልቲ እዩ።
ሎሚ ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ዘለዎም ሃይማኖታዊ ይኹን ባህላዊ በዓላት ክስረዙ ስለ ዝተገብረ 'ኣሸንዳ ኣብ ገዛና' ብዝብል ካብ ገዛኻ ብዘይምውጻእ'ዩ ክኽበር።
በዚ ምኽንያት፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ ትግራይ በብዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት ካብ ዝበዓሉ ሓደ ዝኾነ ምስ መዓልቲ ናጽነትን ጽባቐን ደቂ ኣንስትዮ ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝዝውተር በዓል ኣሸንዳ እንትለዓል ልክዕ ከምቲ ኣብ መዓንጥአን ዝግልድምኦ ቖጽሊ ኣሸንዳ ሽማ ሓቢሩ ብዛዕባ ዝለዓል 'ግውሕ መቐለ' ተባሂላ እትፍለጥ ጓል ኣንስተይቲ ከነልዕላ መሪጽና።
ብዙሓት ንዕኣ ዝፈልጡን ዘኽብሩን ሰባት፡ ንግስቲ ከበሮ፣ መኽዝን ባህልን ጸወታን እንብሉዋ ብዓብይኡ ኣድባር መቐለ ኢሎም ይጽውዑዋ።
ግውሕ መቐለ እንትለዓል ዝነበረትሉ ከባቢ ጅብሩኽ'ውን ምስኣ ብድድ ዝብል፤ ኣይክነጻጸሉን።
ኣብዚ ገዛውቲ ማንካ፣ ድስቲ፣ መግቢ፣ ቖልዓ ይኹን ገዛ ዋና የብሎምን፤ ናተይን ናትካን ኣይብሃልን ነይሩ። ብቐንዱ ከኣ ስዋን ዋንጫን።
ትሕት ዝበለ ቑጠባዊ እቶት ዘለዎ ሕብረተሰብ ዝሰፈረሉ ከባቢ ስለ ዝኾነ መብዛሕትኡ ስዋ ሸይጡ ናብራ ዝመርሕን ቖልዑት ዘዕብን ሕብረተሰብ ይነብረሉ ነይሩ።
በዓል ጊዜ ዝነበረ ስዋ፡ ጾሟቚቱ ወሓለን ምቕልልትን ምስ እትኸውን ደላይኡ ብዙሕ፣ ኣብቲ ዙርያ ዝፍጠር ጸወታ ዕሙር ነይሩ።
ሚኒሊክ ዝብሃል መስተዪ ስዋ ናይ ታኒካ ዋንጫ'ውን ነይሩ።
ነገር ስዋ እንትለዓል ካብ ዝመጽአ መጺኡ እግሩ ኣሳፊሑ ሕርካምን ሽሊንግን ዘለዎ ከፊሉን ኣንጊዱን፣ ዘይብሉ ከኣ ተኣንጊዱን ተለቂሑን ዝሰትየሉ፣ ዝስሕቐሉን ዝጻወተሉን ጅብሩኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ክለዓል ግድን ይኸውን።
ዳርጋ መዓልታዊ፡ ነፍሲ ወከፍ ገዛ መሬት ኾስቲራ፣ ማይ ረብሪባ፣ ዓማዊላ ኾፍ ዝብልሉ ካሻ ኣንጺፋ፣ መስተዪ ስዋ ዋንጭኣ ሓጻጺባ ኣዳልያ ትጽበ፤ ድላይኻ ሰቲኻ ባእሲ ግን ብዙሕ ንቡር ኣይኮነን።
ግውሕ መቐለ ድኣ መን ነይራ?
'ዕቡነይ ናፊቐየን'
ሰበነ ገረንቸኣል ደብሪ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ወሊዶም ዘዕበዩዋ ናይ ስጋ ወለዳ ዝሃቡዋ መጸውዒ ሽም'ዩ።
ደቂ ጅብሩኽ ድማ ግውሕ ኢሎምዋ። ብዙሕ ሰብ ድማ ብሰበነ ዘይኮነ ብሳጉኣ ስለ ዝፈልጣ ንሕና'ውን ንሱ ክንጥቀም መሪጽና።
ግውሕ፡ ናይ ልባ ዝበሃላ ሰብ ወይዘሮ ዕንሹ ረዳኢ ይብሃላ። ክልቲኣተን ዕቡነይ . . . ዕቡነይ ብምባል ይጸዋውዓ፤ ሳንዳይ ንማለት'ዩ።
ሕማቕን ጽቡቕን ግዜ ብዝሓባር ዝርኣያ፣ እዚ ናትኪ፤ እቲ ናተይ ከይበላ ብስኒት ዝሓለፋ፣ ብሞት እንትፈላለያ'ውን ቃል ተኣታትየን ብሓደራ ዝተኣሳሰራ'የን።
ብሓደ ጸወታ ግውሕን ተዘክሮ ወይዘሮ ዕንሹን እንዶ ክንዝክረን። ብደርጊ ግዜ ኩሉ በብቀበሊኡ ጥርናፈ ዝነበረሉ ግዜ እዩ።
ሰውራ ተጋደልቲ ህወሓት ድማ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ እንተጠጥዐ'ውን ግውሕ ኣብ መቐለ ዝርኣየቶም ተጋደልቲ ደቀቕቲ ስለ ዝነበሩ ንደርጊ ክስዕሩዎ'ዮም ዝብል ግምት ኣይነበራን።
ግውሕ ድማ ነተን ብልቢ እትፈትወንን እትኣምነንን ዕቡንኣ፡ "ኣጋጣሚ ትሓሕት ተወሰዱኒ ኣብዚኣ እኒአዋ ወርቀይን ጨርቀይን ንቤተክርስቲያን ሃባለይ" ኢላተን።
ኣጋጣሚ ኮይኑ በቶም ደቒቖም ዝተርኣዩዋ ተደፊኡ ካብ መቐለ ክወጽእ ግድን ምስ ኮነ፡ ገሊኡ ምስኡ ዝሃድም ነይሩ።
ንሳ ግን ዕቡነይ . . . ዕቡነይ ኢላ ተዳህያ፤ ድሓር "ተገልቢጠ እየዋ ተገልበጣ" ኢላተን። ኣሰላልፋ ቐይረ እየ ንምባል ይኸውን።
ኣብዛ ወግዓ ዘለዋ 'ዕቡነይ' እምበኣር እተን 'ዕቡነይ ናፊቐየን' ዝብልኣ ወይዘሮ ዕንሹ'የን።
ዕቡነይ ንዝብልኣ ግውሕ መቐለ 'ኣትን' እናበላ ይጽውዕኣ። ግውሕ ብዕድመ ስለ እትዓብየን ዘይኮነ ኣብ ትግራይ ኣዚኻ ንእትፈትዎን ንእተኽብሮን ሰብ'ውን ኣርቢሕካ ምጽዋዕ ልሙድ'ዩ።
"ንሰን ኣብ ዘለዋሉ ሰሓቕን ታሕጓስን እምበር ሓዘን ኣይፍለጥን። ዕቡነይ ዓባይ፣ ክብርቲ ሰብ እየን። ኣብ እንዳ ሕዙናት ብኽያት ኣይፍለጥን [ንሰን እንተሃልየን]፣ ኣብ መርዓ ይኹን ኣብ ሓዘን ተሓጒስካ እዩ። ዝሓመመ ወይ ዝተኣሰረ ሰብ እንትህሉ መንደር ሙሉእ ጸዊዐን ሒዘንኦ'የን ዝኸዳ፤ ዕቡነይ ናፊቀየን" ይብላ።
ግውሕ መቐለ፡ ማሕበራዊ ናብራ ብምድማቕ፣ ሰባት ብምቅርራብ፣ ሰሓቕን ጸወታን ብምፍጣር እያ ትፍለጥ። ነዚ ከይኾነ ኣይተርፍን 'ግውሕ' ዝብል ሳጓ ዝለገባ።
"ኩላትና ስዋ ኢና ንገብር ነይርና። ጅብሩኽ ኩሉ ስዋ እዩ። ምስ ዕቡነይ ድማ ስዋና ብሓደ ንሰርሖ ብሓደ ንውድኦ። ንሰን ተጫዋቲትን መስሐቒትን ስለ ዝኾና መን ኣለዋ መን የብላን ኣይፍለጥን። ካብ ኣስመራ ይምጽኡ ካብ ካልእ ኣባና መጺኦም እዮም ዝሰትዩ ነይሮም። ንሕና'ውን ምስ ኣስኡን ተዛኒፍና ኢና ንሰቲ ኣይግድሰናን" ይብላ።
እቲ ግዜ ኣይ ከምሎምን ጽቡቕ ነይሩ፤ ብሕርካም ኣርባዕተ ዋንጫ ስዋ ይሽየጥ። ሕጂ ኣብ ምንታይ ወዓላ ከም ዘላ ብዘይትፍለጥ ናይ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሳንቲም'ውን ነይሩ።
"ደቂ መቐለ ደኾንናይ፡ ክልቲኤና ድማ ብክራይ ገዛ ኢና ተጋኒና። ድሕሪኡ ግን ብጣዕሚ ኢኻ ትቀራረብ፤ ፍቕሪ ኢኻ። ዋጋ ናይቲ ክራይ ገዛ 5 ብር ነይሩ" ኢለን እንተውግዓ፡ ዕቡነይ ደፋር ነይረን ይብልኣ።
ንምዃኑ ሕጂ ብምንታይ ይዝክርኣ ይኾና? እንትንብለን ንሰን'ውን ወግዒ ዝኸብደን ኣይኮናን'ሞ ንሓደ ካብ ትዝታታተን ኣካፊለናና።
ኣብ ግዜ ደርጊ ህድሞ ዝነበረ ገዛውቲ መንግስቲ ወሪሱዎ፤ እታ እትነብረላ ዝነበረት ገዛ ፈሪሳ ብዚንጎ ክትስራሕ ተገይሩ። "ህድሞ ፈረሰ ቆርቆሮ ታደሰ" ኢላ ድማ ደሪፋትሎም ይብላ።
ልዕሊ ኹሉ ግን ነቲ ኣብ ምጥንኻር ማሕበራዊ ናብራን ምድማቕ ኣል ኣሸንዳን ዝነበራ ተራ ዝተፈለየ ምንባሩ ይዛረባ።
"ሓራስ፣ ዝሞተ፣ ሓመመ ወይ ዝተኣሰረ ሰብ እንተልዩ ኣዋጂት ንሰን ነይረን፤ ልክዕ ከምቱ ንመለስ መራሒና ንብሎ ንዐአን'ውን ከም መራሒትና ኢና ንርእየን ነይርና። ብአአን ተዓጂብና ኢና ንኸድ፤ ብስሩ ጅብሩኽ ምዃንና እንፍለጥ ብሳልአን'ዩ" ይብላ።
ወሲኸን፡ "ክልቲኤና ብጣዕሚ ኢና ንፋቶ፤ ሓሚመን ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን እናሃለዋ ይፈርሕ ኣለኹ እየ ምሳይ ውዓላ ምሳይ ሕደራ ይብላኒ። ዝሞታ ዘይኮነ ዓይነን ዝዓውራ መሲሉወን ድማ ከይትጠልማኒ ዕቡንዋይ ይብላኒ ነይረን፤ ኣነ'ውን ኣይጠልመክንን ኢለ ቃል ኣትየለን" ብማለት ይዝክርኣ።
በዚ ምኽንያት ክሳብ እዛ ዕለት ከይዱ ንዝሓተተን ብዛዕብኣ የዕልልኦ፤ ሽማ ንዘልዓለለን ድማ ይምርቕኦ፣ የመስግንኦ።
'ግውሕ ለጋስ'ያ'
ዮውሃንስ ተስፋይ ገብረኪዳን ይብሃል፤ ዕባይ ጅብሩኽ'ዩ።
ጉውሕ ምስ ሞተት ድማ ምስ ካልኦት ሰለስተ መሓዙቱ ብምዃን ጎኒ መሰለች ህንጻ 'ግውሕ መቐለ' ዝብል ናይ ንግዲ ትካል ከፊቱ ዝነበረ'ዩ።
ካብቲ ቀረብ ንላዕሊ ሽማ ነቲ ገዛ ህቡብነት ስለ ዘልበሶ ኣብ ሓደ እዋን መዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ።
እዛ ብቀልድን ቅውም ነገርን እትፍለጥ ሰብ እምበኣር፡ ንስጡም ማሕበራዊ ናብራ ጥራሕ ዘይኮነ ንትምህርቲ እውን ቅርብቲ ነይራ።
"ለጋስ፣ ዘለዋ ነጊፋ ተኻፊላ እትነብር ሰብ እያ። ኣብ ጅብሩኽ ተወሊድና ዘዕበየትና ኣዴና'ያ። ኩሉ ክብሃል ወይ ክፍተን ኣለዎ እትብሎ ንምግባር ንድሕሪት ኣይትብልን። ቖልዑ እናሃለና ዓባይ ሰበይቲ ኾይና ናብ ቤት ትምህርቲ በጺሓ ክትምለስ ኢና ንፈልጣ። ድሓር ናብ ገዝኣ እናተመለሰት ኣብ መንገዲ 'ግውሕ መሃይምነት' ኢሎምዋስ፤ ዘይተመሃረ ይእሰር ስለ ዝነበረ "እወ ኣነማ ተመሃሪት፡ ንስኻ ኣለኻ ወድዛ ተኣሳሪት" ዝበለትሉ ግዜ ኣይርስዖን" ይብል።
ካልእ ግውሕ፡ ብኣሸንዳ ዋዛ ኣይኮነትን። ኣከዳድንኡ፣ ቑንኡን ኣተሓሕዛን ኣተሃራርማን ከበሮ ብኣግባቡ እትፈልጥን እተተግብሮን ስለ ዝነበረት ዝሓዘቶን ዝበለቶን ይደምቀላ፣ ይፍተወላ ነይሩ።
ንሱ፡ "በዓል ኣሸንዳ ብዝመጽአ ቑጽሪ ግውሕ ብጣዕሚ እያ ትዝከር፤ ብዙሓት ጉጅለታት ኣሸንዳ መቐለ እንተሃለዋ እውን እቲ ደቂ ኣንስትዮ ጅብሩኽ ዘለዋሉ ጉጅለ'ዩ ዚያዳ ዝደምቕ። ዝኾነ ወዲ መቐለ ድሙቓት ቖልዑ ኣሸንዳ እንተርእዩ ደቂ ጅብሩኽ ምዃነን ይፈልጥ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ግውሕ'ያ፤ 'ኣይከን ጅብሩኽ' ነይራ" ክብል ይገልጻ።
ድምቀት እዚ በዓል ስለ ዝኾነት ድማ ኣድነቕታን ፈተውታን 'ኣድባር' ኢሎም የሞጉሱዋ።
"ግውሕ ኣብ ኩሉ እትርከብ ድመቀት ስለ ዝኾነት ኣድባር እያ፤ ኩሉ ሓዘኑ ረሲዑ ክስሕቕ፣ መርዓ ክደምቅ እትገብር፣ ሰብ ኣተሓባቢራ ንኹሉ ስለ እትጥይቕ እዩ ኣድባር ዘብላ" ይብል መንእሰይ ዮውሃንስ።
ሕጂ ግውሕ ኣድባር ተባሂላ እትጽውዐሉ መሸጢ ህንጻ መሳርሒ ዝበዝሖ እናኮነ መጺኡ፤ እቲ ማህበረዊ ናብራ'ውን ኣይከም ቀደሙን ላሕሊሑ።
ምኽትል ዳይሬክተር ቴሌቪዥን ትግራይ ጋዜጠኛን ደራስን ሰለሞን ኣባዲ ብ1985 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ ሞንጎ ዝረኸቡዋ ጋዜጠኛታት እዩ።
ኣብ ከባቢታት ዕዳጋ ይኹን ገዛውቲ ንበዓል ኣሸንዳ ካብ ዘድምቓ ሓንቲ ንሳ እያ ዝብል ኣቶ ሰለሞን፡ ካብ ባህላዊ ደርፍታት እቲ በዓል ብዝዛየደ ፖለቲካ ቀመስ ወግዒታት ሰው እተብል ምዃና ይዝክር።
"ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዝነበሩ ልኡል ራእሲ መንገሻ ደቂ ኣሸንዳ ናብ ቤተ መንግስቶም ክመጽኣ እንከለዋ ዝተፈላለየ ሽልማት ይህቡ ነይሮም። ደርጊ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ሃይለስላሰ በላይ ዝበሃሉ ኣመሓዳሪ ተተኪኦም። ንሶም ኣብ ግዜ ኣሸንዳ ምስ መጽኡ ከረሜላ ሂቦም ክሰዱወን ከለው ግውሕ "ዓሚ'ዶ መሲሉኪ ቅድሚ ዓሚ ከረሜላ ጠዓሚ" ኢላ ነቒፋቶም። በዚ ትፍለጥ" ይብላ።
ክሳብ እዚ ግዜ፡ ንቖልዑ ኣሸንዳ ክርኢ ወይ ከልዕል እንከሎ ንግውሕ መቐለ ከም ዘልዕል ዝዛረብ ኣቶ ሰለሞን፡ እቲ በዓል ድማ ብደቂ ጅብሩኽ ዝኾና ቖልዑ ኣሸንዳ ይደምቕ ነይሩ ይብል።
"ደቂ ጅብሩክ ንኣሸንዳ የድምቕኦ ነይረን። ኣተሓሕዛ ከበሮ ግውሕ ድማ ዝተፈለየ'ዩ። ብሱሩ'ውን ኣለባብስኣ ማዕሪጋ ስለ እትወጽእ፡ ግውሕ ክተልዕል ከለኻ ኣሸንዳ ውን ይብለካ እሞ፡ እቱ ኣጎዛጒዛ እትትቀመሉ ዝነበረት ፖለቲካዊ ቅይዐ'ውን ይዝከረካ" ኢሉ።
ኣብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ብፍላይ እቶም ዝነበሩ ስርዓታት ሓሳብካ ብነጻነትን ብቐጥታን ንምግላጽ ዝዕድሙ ስለ ዘይነበሩ፤ እቲ ሕብረተሰብ በዓላት ኣጎዛጒዙ ብመልክዕ ግጥሚ፣ ማሰን መልቅስን ጸገማቱ ክገልጽ ይስትውዓል ከም ዝነበረ ከም ኤርትራዊ ደራስን ዳይሬክተርን ሰለሞን ጸሃየ ዝበሉ ተመራመርቲ ታሪክን ባህልን ይገልጹ።
ምስ ኣሸንዳ ብዝተኣሳሰር'ውን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ተምቤን ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ተጓንፎን ጸገማትን ባህላዊ ጸወታ ኣምሲለን ፖለቲካዊ ነቐፌታ የቕርባሉ እየን።
"ንኣብነት ምስ ኣውርስ ብዝተኣሳሰር፡ ኣሸንዳ እንትኽበር ጽቡቅ ንዝገበረ ዘወድሳሉ፡ ንዝሓመቐ ድማ ዝነቕፋሉ ኩነታት ትዕዘብ ኢኻ" ይብል ኣቶ ሰለሞን።
ኣብ በዓል ኣሸንዳ ድማ፡ ዝኾነት ትኹን ጓል ኣንስተይቲ ማዕሪጋ እትርኣየሉ ናይ ነጻነት መኣልቲ ኮይኑ፡ ቆልዑ ሸንዳ ስለ ዝነቐፋ ኣይውቅዓን እኳ ድኣ ይኽበራ።
እዚ ንክብርታት ትግራይ ሓፍ ካብ ዘበሉ በዓላት ሓደ ዝኾነ ግን፡ ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምቲ ልሙድ ብከበሮን ዝላን ደሚቑ ንክበዓል'ኳ ዕድል እንተዘይረኸበ፡ ነቲ ህልዊ ኩነታት ዘጎዛጎዙ ዘለፋታትን ጸወታታትን ግን ምውጽኦም ኣይተርፍን።