ግብፂ፡ ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ መንነተን ከይግለጽ ዝኽልክል ሕጊ ደንጊጋ

ባይቶ ግብፂ፡ ግዳያት ፆታዊ ምግፋዕን ዓመፅን ኮይነን ክጠርዓ ናይ ዝመፅኣ ደቂኣንስትዮ መንነት ከይቃላዕ ዝከላኸል ሕጊ ኣፅዲቑ።

ኣብ ግብፂ ሰፊሕ ዝርገሐ ጾታዊ ዓመፅ ዋላ እኳ እንተሃለወ፡ ግዳያት ዝኾና ደቂኣንስትዮ ግና ክሲ እንተመስሪተን ተወቀስቲ ስለዝኾና ንዝበፅሐን በደል ናብ ሕጊ ክወስዳ ከምዝፈርሓ እዩ ዝግለፅ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሓደ ተምሃራይ፡ ንብዙሓት ደቂኣንስትዮ ብምዕማፅ ወይ ብምጥቃዕ ብዝብል ምኽሳሱ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘይልሙድ ጎስጓስ ተኻይዱ እዩ።

ነዚ ተግባር ዝፈፀመ ውልቀሰብ ዝተኣሰረ እንትኸውን፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ድማ ነዚ ስዒቡ ዝተወጠነ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እዚ ኣጋጣሚ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ብዛዕባ እቲ ተፃዊረንኦ ዝፀንሓ ዓመፅን ወፅዓን ናብ ቅድሚት መጺአን ክዘረባ ኣተባቢዑ ኣሎ።