ወተሃደራት ሶማልያ፡ ብዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ሆቴል ዝተዓግቱ 200 ሰባት ሓራ ኣውጺኦም

ፍሉይ ሓይሊ ሶማልያ፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾ ዕጡቓት ኣልሸባብ ተቖጻጺሮምዎ ዝነበሩ ሆቴል ሓራ ከምዘውፀእዎ ተገሊጹ።

ከም ሓበሬታ ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ 'ሆቴል ኢሊት' ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም።

ካልኦት ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣልሸባብ'ውን ከምዝተቕተሉ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።እቶም ትማሊ ሰንበት ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ኣልሻባብ፡ ፈለማ ኣብ ግዳም እቲ ሆቴል መኪና ብምፍንጃር፡ ኣብቲ ሆቴል ንዝነበሩ ዓጊቶምዎም እዮም ጸኒሖም።

እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓደ ኣባል ባይቶ ዝተሃነፀ ሆቴል፡ ስጡም ሓለዋ ከምዝግበረሉ ዝግለፅ እንትኸውን፡ ሰብመዚ ብምትእንጋድ ድማ ስሙይ እዩ።

ኣካላት ፀጥታ ነቲ ሆቴል ብምዕፃው፡ ኣብ ውሽጢ ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ዝተዋግኡ እንትኾኑ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት እቲ ሆቴል ሓራ ከምዝወፀአ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ ኢስማዔል ሙክታር ብትዊተር ሓቢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሚኒስተር ሓበሬታን ካልእ በዓልስልጣን ሚኒስተር ምክልኻልን ካብ ሞንጎ ዝሞቱ እንትኾኑ፡ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ድማ ቆሲሎም እዮም።

ኣብቲ ሆቴል ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝደሓኑ ተሓቢሩ።

ቅድም ክብል ኣልሸባብ፡ " ሙጅሃዲን ( እስላማዊ ዕጡቕ) ካብ ሞንጎ እቶም ከሓድቲ ጉጅለ (መንግስቲ ሶማሊ) ብዝኾነ ኣባል ባይቶ ኣብ ዝውነን ሆቴል ስርሒት ይፍፅም" ከምዘሎ ብኦንላይን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምስ ኣልቃይዳ ርክብ ዘለዎ ኣል-ሸባብ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ፡ መንግስቲ ንምዕላው፡ ኣብ ሶማሊ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣረሜንያዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ እዩ።

እቲ ጉጅለ ዋላ እኳ ብመንግስቲ እታ ሃገርን ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃን ተደፊኡ ካብ ከተማ ሞቃዲሾ እንተወፅአ፡ ሕዚ እውን ግና ኣብታ ከተማ ቅትለታት ካብ ምፍፃምን ነታጉ ካብ ምፍንጃርን ንድሕሪት ኣይበለን።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር በዚ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ወሲኾም እዮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን እኳ፡ ኣብ ሞንጎ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ኣልሸባብን ሰብመዚ ፀጥታን ብዝተኻተደ ተኹሲ ብውሑዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለፅ።