ብሰንኪ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኮሮናቫይረስ፡ ልዕሊ 800 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመተ ፈረንጂ፡ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት ብውሑድ 800 ሰባት ከምዝሞቱ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ 'ኣመሪካን ጆርናል ኦፍ ትሮፒካል መዲስን ኤንድ ሃይጅን' ዝባህለ መጽሄት፡ ኣስታት 5800 ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝረኸብዎ ግጉይ ሓበሬታ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም እዮም።

ብዙሓት ኣፋውስ ኮሮናቫይረስ እዮም ብምባል ከም ሚታኖልን ኣልኮል ዘለዎም መሐለዊ ጽርየትን ሰትዮም ኣደዳ ሞት ኮይኖም ኣለዉ።

ቅድም ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝውረዩ ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት ማዕረ ማዕረ እቲ ቫይረስ ይላብዑ ከምዘለዉን፡ ንሰባት ኣደዳ ጉድኣትን ሞትን ይገብሩዎም ከምዘለዉን ገሊጹ ነይሩ።

ህይወት ዝበልዕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ መብዛሕተኦም ግዳያት ሓቅነት ዘለዎም ሕክምናዊ ዝመስሉ ሓበሬታታት ከምዝትግብሩ ዝገልጽ እቲ መጽናዕቲ፡ ገሊኦም ሰባት ካብ መጠን ዝሓለፈ ጻዕዳ ሽጉርትን ቫይታሚናትን ከምዝወስዱን፡ ገሊኦም ድማ ከም ሽንቲ ላም ዝኣመሰሉ ነገራት ከምዝሰትዩን ሓቢሩ።

እዚ ድማ ጽኑዕ ሳዕቤናት ጥዕና ከምዘለዎ እቶም ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም።

ብተወሳኺ ዓለምለኻውያን ትካላት፣ መንግስታትን ማሕበራዊ ሚድያን ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምቅላስ ግቡእ ከምዘለዎም እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ድማ፡ ከም መጥቃዕቲ፣ ምቅጻል ሓውን ሞትን ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ግጉይ ሓበሬታ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተሓላለፉ ስኑዓት ሓበሬታታት፡ ኣብ ህንዲ ንናይ ጉጅለኣዊ ምጥቕቓዕ እንተስዕቡ፡ ኣብ ኢራን ድማ ብዙሓት ሰባት ክምረዙ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ'ውን፡ ሰብ ሞያ ቴሌኮምኒኬሽን ምፍርራሕ ክበጽሖምን ጠንቂ ምቅጻል ሰፈር ሞባይል ኮይኑ።

ጓሓሉ መርበብ ኢንተርነት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት መድሓኒታት እቲ ቫይረስ ኣለና ብምባል ንብዙሕ ሰብ ኣታሊሎም ኣኽሲሮም እዮም።

ኣብዚ ክታበት ይቕልቀለሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣንጻር ክታበት ዝወፍሩ ሰባት ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም፡ ሰባት ንርእሶም ከይሕልዉ ከእምንዎም ከምዝኽእሉ የስግእ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ 28 ምኢታዊት ኣመሪካውያን፡ ሃብታም ዓለምና ቢል ጌትስ ክታበት ተጠቒሙ ማይክሮ ቺፕስ ዝበሃሉ ደቅቕቲ ኤሌክትሮኒክስ ናብ ደቂ ሰባት ከእቱ ይደሊ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።