መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ "እቲ ብዋልታ ዝተሓላለፈ መግለጺ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ውዲት እዩ"

ዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእከል ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ህይወቶም ከምዝሓለፈ ብምግላጽ ዝጠቐዖ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ፡ ካብ'ቲ ትካል ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ።

መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ዘመሓላለፎ 'ስኑዕ' ሓበሬታ "ብኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ጌጋ ዘይኮነስ ኮነ ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝተሰርሐ ውዲት" ከምዝኾነ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ከሳ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጸን።

እቲ ትካል ሚድያ ቅድም ክብል ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ንክፍጸም ክሰርሕ ከምዝጸንሓ ወሲኸን ሓቢረን።

ካብ ሓደ ናይ ህዝቢ ሚድያ ትጽቢት ዘይግበር ተግባር ምዃኑ ዝገለጻ ወይዘሮ ሊያ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ጉዳይ ዕሽሽ ኢሉ ከምዘይሓልፎን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣረዲአን።

ወይዘሮ ሊያ፡ ዶክተር ድብረጽዮን ምስ ሙሉእ ጥዕና ኣብ ስሩዕ ስርሑ ከምዝርከብ'ውን ተዛሪበን።

ዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእከል ቅድሚ ደቓይቕ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ህይወቶም ከምዝሓለፈ ብምግላጽ ዝጠቐዖ ሓበሬታ፡ ካብ'ቲ ትካል ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ።

እቲ ስኑዕ ዜና ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ናይ'ቲ ትካል ፌስ ቡክ ገጽ ክወጽእ ከምዝኸአለ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ድማ ሓቢሩ።

እንተኾነ፤ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ንምዝርራብ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ስልኪ ተደዊሉ ከምዘይለዓል፡ ወይዘሮ ሊያ ገሊጸን።

ቢቢሲ ትግርኛ'ውን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዋልታ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።