እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሓለፍቲ ሚድያ ኔትወርክ ሲዳማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ትማሊ ምሸት ክልተ ሓለፍቲ ሚድያ ኔትወርክ ሲዳማ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ እንትዘራረቡ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።
መተሓባበሪ ዜናን ፕሮግማትን እቲ ትካል ኣይተ ሙሉቀን ብርሃኑ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሚድያ ኔትወርክ ሲዳማ ምስ ምክትሉ ከም ተዝኣሰሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዋና ስራሕ ኣካያዲ ሚድያ ኔትወርክ ሲዳማ ኣይተ ጌታሁን ደጉዬ ምክትል ስራሕ ኣካያዲ ኣይተ ታሪኩ ለማ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው እንትኾኑ፡ ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ ቴሌቭዥን ጣብያ ናብ ቢሮ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ሓይልታት ጸጥታ ትማሊ ቐትሪ ከባቢ ሰዓት ሽድሽተ ናብ ቢሮ እቲ ሚድያ መጺኦም ንዋርድያታት መፍትሕ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ'ውን እቲ መተሓባበሪ ተዛሪቡ።
እዞም ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፤ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ ላዕለዎት ኣመራርሕ ዞባ ሲዳማን ኣመራርሓ ኢጄቶን ኣብ ታቦር መካነ እየሱስ ውሳነ ቦርድ መረጻ ንምቕባልን ንዘይምቕባልን ብዝምልከት ምሽት ሰዓት ኣርባዕተ እናዘተዩ ምስ ጸንሑ እዩ።
ሓለፍቲ እቲ ሚድያ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣብ ኤጀቶ ብዘለዎም ተሳትፎ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ብዝምልከት ዝምከቶም ሓለፍቲ ክልል ንምዝራብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ሚድያ ሲዳማ ኔትወርክ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ፈተነ ፈነወ እዩ ዝርከብ።
እቲ መራኸቢ ሓፋሽ፡ ኣብ ደገ ብዝርከቡ ግዱሳት ተወለድቲ ሲዳማን (ዲያስፖራ) ሰብ ሃፍቲ ሲዳማን ዝተጣየሰ ኮይኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጆሃንስበርግ ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ገለ መደባት ክፍንው ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ።
ካልአይ ቤት ጽሕፈት እቲ ሚድያ ኣብ ሃዋሳ ይርከብ። ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እቲ ሚዲያ ብሓፈሻ ድማ 41 ሰራሕተኛታት ከም ዘለውዎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።