ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ መዚ ክሳብ 2022 ብዶባት ሰሜናዊ ክፋል ሰብ ክኣቱ ኣየፍቅዱን

ዶባት ሰሜናዊ ክፋል ኣውስትራልያ ንዝመጽእ 18 ኣዋርሕ ብኮሮናቫይረስ ንዝተጠቀዓ ሃገራትን ዞባታትን ዕጽው ምዃኑ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

ካልኣይ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደቡባዊ ክፋል ኣውስትራሊያ የጥቅዕ ምህላው ይግለጽ።

ኣብ ሜልቦርንን ዕሙር ከባቢታት ሲድኒን ጥራይ ኣስታት 8000 ሰባት ኣብ ሕክምናዊ ናብዮት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ግን እቲ ‘ቫይረስ’ ክትቆጻጸሮ ከም ዝኸኣለት ይሕበር።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ስኮት ማሪሶን እቲ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝግበር እገዳ ምንቅስቃስን መገሻታትን ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክቅጽል ከም ዝእኽል ኣተንቢሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግዝኣት ኵንስላንድ ምስ ኒው ሳውዝ ዊልስ ዘዳውባ ዶባት ዳግማይ ዓጽያቶ’ያ።

እዚ ድማ ንሲድኒን ንከባቢ ርእሰ ከተማ ኣውስትራልያን ዘጠቃለለ’ዩ።

ሰብ መዚ ሰሜናዊ ዶብ ኣውስትራልያ ብወገኖም እታ ግዝኣት ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚራ ዝኾነ ሓዲሽ መልከፍቲ ከይርኣየት ድሕሪ ምጽንሓ ሕጂ ሓዲሽ መልከፍቲ ይቀላቐል ብምህላዩ ዶባቶም ን18 ኣዋርሕ ክዓጽዉ ከም ዝተገደዱ ገሊጾም።

ካብ ተኣፈፍቲ ግዝኣታታን ሃገራትን ዝመጽኡ ገያሾ ድማ፡ ወጻኢታቶም ባዕሎም ሸፊኖም መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ ሆቴላት ን14 ክውሸቡ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ላዕለዋይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ሚካኤል ጋነር እዚ ምዕጻው ዶባት ካብ ርእሰ ከተማ ሜልቦርን እትርከባ ረቪቶርያን ሳውዝ ዌልስን ክመጽኣ ዝኽእል ዳግማይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝዓለመ'ዩ ኢሉ።

ሰሜን ኣውስትራልያ ካብ ካልኦት ግዝኣታት ንዝምጽእዋ ገያሾ ግን ዶባት ካብ 17 ሓምለ 2020 ጀሚራ ክፉት ገይራቶ እያ።

ሚካኤል ጋነር “ኣብ ቪክቶርያን ሲድንን ናይ ምንቅስቃስ እገዳታት ገይርና ኣለና፤ ምዓስ እዩ ክልዓል ንዝብል ድማ ብሕጂ ኢና ክንርዮ” ኢሉ።

ኩነታት ለበዳ ኮቪድ-19 ግዝኣታት ኣውስትራሊያ

ኣብ ኒው ሳውዝ ዌክስ፡ ብሰሉስ 22 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣብዚ ወርሒ ኣብታ ግዝኣት ዝበዝሐ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ግዘኣት ቪክቶርያ'ውን 331 ሓድሽ መልከፍትን ሞት 19 ሰባትን ኣዝጊባ ክተመዝግብ እንከላ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝርኣይ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ እዩ።

ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ኣውስትራልያ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝኾነት ይዝረብ።

እዚ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ግዛኣት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተነቢሩ ዝጸነሐ ምሉእ ዕጽዋ ምስ ተለዓለ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።

ኣውትራልያ ብሓፈሻ ክሳብ ሕጂ 22 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክትረክብ እንከላ ሞት 332 መዝጊባ።

እታ ሃገር ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ጥቡቕ ስጉምትታት ክትወስድ ስለ ዝጸነሐት’ዩ ቁጽሪ መልከፍቲ ውሑድ ኮይኑ ክብሃል'ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚራ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር እቲ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታተት ከተላሕልሖ ስለ ዝጀመረት ኣብ ከባቢ ሜልቦርን ደግሲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክርአ ጀሚሩ።

ድሕሪ ምልዓል እቲ እገዳታት ዘጋጥም ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ድማ ብ70 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።