ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ዝተኣተወሎም ቃል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዋሂብዎም

ኣብ ጣልያን ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 1990 ኣብ ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሑ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ካሜሮን እቲ ሽዕኡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ፓውል ቢያ ገዛ ክውሃቡ ዝተኣተወሎም ቃል ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ሕጂ ተተግቢሩ።

ካብቶም ሽዕኡ ኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበሩ ለዊስ ፓውል ምፋደ፤ በንጃሚን ማሲንግን ስተፈን ታታውን ድሮ ሞይቶም እዮም።

እቲ ገዛ ክውሃቦም ዝተኣተወሎም ቃል፡ ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ኣብ ክንዲ 22 ተጻወትቲ ዝርዝር ኣስማት ናይ 44 ተጻወትቲ ስለዝቐረበ’ዩ ክርክር ብምልዓል ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ጸኒሑ።

እቶም 22 ተጻወትቲ ኣብ ግዚኡ’ኳ እቲ ዝተኣተወሎም ቃል እንተተፈጸመሎም፡ ናይቶም ዝተረፉ 22 ተጸወትቲ እቲ ዝከታተሎ ዝነበረ ሚኒስተር ስለዝተቀየረ ተረሲዑ እዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ እቶም ገዛ ከይተውሃቦም ዝተረፉ ብኣባል እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝኾነ በርቲን ኢብዋለ ተመሪሖም ደብዳበ ብምጽሓፍ ጥርዓኖም ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣቕሪቦም።

ጥርዓኖም ዝተቐበለ ፕረዚደንት ካሜሮን ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ “እቲ ዝተበሃሎም ይውሃቦም” ኢሉ ስለዝፈረመ እዮም ገዛ ክውሃቦም ክኢሉ።

እቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ገዛውቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ያውንደ ኮይኑ ኣብ ሊምበ ዝብሃል ፍሉጥ ማእከል ንግዲ እዩ።

ፍሊጥ ተጻዋታይ ሮጀል ሚላ፡ ሓደ ካብታ ኣብ 1990 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ኮይኑ፡ በቲ ውሳነ ብምሕጓስ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ምስጋንኡ ገሊጹ ኣሎ።