እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡል ስዑድያ ናብ ካናዳ ቀንጸልቲ ሰዲድካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ
ልኡል ስዑድያ መሓመድ ቡን ሳልማን ኣብ ካናዳ ንዘሎ ብዓል መዚ ጸጥታ ነበር ስዑድያዊ ዝቕንጽሉ ጉጅለ ልኢክኻ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ።
እቲ ዕላምኡ ከይሃረመ ዝተታሕዘ ጉጅለ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቱርኪ ዝተቐተለ ውሩይ ስዑድያዊ ጋዜጤኛ ጀማል ካሾጊ የጋጥም ምህላዉ ዝያዳ ኣሻቓሊ ገይርዎ።
ጉዳይ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ ዝርኣይ ዘሎ።
እቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ብዓል መዚ ጸጥታ ስዑድያ ነበር ስዓድ ኣል ጃብሪ ዝብሃል ኮይኑ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ስዑድያ ሃዲሙ ብምውጻእ ኣብ ካናዳ ዑቕባ ተዋሂብዎ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይርከብ።
እቶም ነቲ ዝተወጠነ ቕትለት ክፍጽሙ ናብ ካናዳ ተላኢኾም ዝተባህሉ ጉጅለ፡ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፔርሶን እናኣተዉ እንከለዉ ብጥርጣረ ከም ዝተትሓዙ ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ክሲ ወረቀት ሰፊሩ።
ወዲ 61 ዓመት ስዓድ ኣል ጃብሪ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት፡ ኣብ ሞንጎ ስዑዲን ኤም ኣይ 16 ዝተብሃል ትካል ስለያ ብሪጣንን ካልኦት ትካለት ስለያን ዘሎ ርክብ ዝመርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ ተባሂሉ።
እቲ ክሲ እንታይ እዩ ዝብል?
እዚ ናብ ቤት ፍርዲ ዋሽንግተን ዝቐረበ በዓል 106 ገጽ ክሲ፡ ልኡል ስዑድያ መሓመድ ቢን ሳልማን ንስዓድ ኣል ጃብሪ ዝቅንጽሉ ጉጅለ ናብ ካናዳ ከእቱ ፈቲኑ ይብል።
እዞም ንስዓድ ኣል ጃብሪ ክቅንጽሉ ናብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ዝተተሓዙ ጋንታ ነብሪ [ታይገር ስኳድ] ዝብል ስም ዘለዎም ጉጅለ ቀንጸልቲ ኮይኖም፡ እቶም ንጀማል ካሾጊ ኣብ ቱርኪ ዝቐተልዎ ጉጅለ’ውን ተመሳሳሊ ስም ከም ዝነበሮም ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ብቱርኪ ገይሩ ኣብ 2017 ናብ ካናዳ ዝሃደመ ስዓድ ኣል ጃብሪ፡ ካብ ልኡል ስዑድያ መሓመድ ቢን ሳልማን ብተደጋጋሚ “ሓንቲ መዓልቲ ክንረኽበካ ኢና” ዝብል መልእኽቲ ይበጽሖ ምንባሩ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።
ድሕሪ ክልተ ሰሙን ቅትለት ጀማል ካሾጊ እቶም ጋንታ ነብሪ ዝተሰምዩ ቀንጸልቲ ንስዓድ ኣል ጃብሪ ክቐትሉ ናብ ካናዳ ይብገሱ ምህላዎም ሓበሬታ ከም ዝብጽሖ’ውን ኣል ጃብሪ ሓቢሩ ነይሩ’ዩ።
እቲ ክሲ ካብቶም ንስዓድ ኣል ጃብሪ ክቐትሉ ናብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ዝተተሓዙ ጉጅለ ሓደ ካብኦም ምስቶም ንካሾጊ ዝቐተሉ ጉጅለ ምዃኑ ብምሕባር እዞም ናብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ዝተተሓዙ ጉጅለ ክልተ ቦርሳ ‘ፎረንሲክ’ ሒዞም ምንባሮም ኣነጺሩ ኣሎ።
እንተኾነ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ካናዳ ስለ ዝጠርጠርዎም ቃለ መሕተት ብምግባር ናብ ካናዳ ከይኣትዉ ከም ዝኸልከልዎም ብምሓባር “ልኡል ስዑድያ መሓመድ ቢን ሳልማን ንጃብሪ ክቕንጽል ነዞም ጉጅለ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ከም ዝሰደዶም እኹል መርትዖ ኣሎ” ይብል እቲ ክሲ።
ጃብሪ፡ ንልዑል ስዑድያ መሓመድ ቢን ሳልማን ዓለምለኻዊ ሕግታትት ብምጥሓስ ሰባት ከም ዝቐትልን ከም ዘሳቐዕን እዩ ዝሕበር።
መንግስቲ ስዑድያ ብዛዕባ እዚ ቀሪብዎ ዘሎ ክሲ ዝኾነ መልሲ ኣይሃበን ዘሎ።
ሚኒሰትር ህዝባዊ ድሕነት ካናዳ ቢል ብለይር ብዛዕባ እዚ ክሲ ነጺሉ ክዛረብ ከም ዘይደሊ ብምሕባር “ናይ ደገ ሓይልታት ንካናዳውያንን ኣብ ካናዳ ዝነበሩ ዘለዉን ናይ ምፍርራሕ ተግባራር ከም ዘካይዱ መንግስቲ ክሕበር ይፈቱ” ኢሉ።
ብምስዓብ “እዚ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን፤ ንሕና ድማ ንኸምዚ ዓይነት ንሃገራዊ ጸጥታን ድሕነት ካናዳውያንን ክመኡ'ውን ነበርታን ዝፈታተን ተግባራት ኣይንጻወርን” ድሕሪ ምባል “ድሕነት ዜጋታትና ንምሕላው ድማ ኩሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ስጉምትታት ክንወስድ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ቢቢሲ ደቁ ንጃብሪ ጅሆ ተታሒዞም ምህላዎም ካብ ካሊድ ዝተብሃለ ወዱ ንጃንሪል ዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ ነይሩ።
ስዓድ ኣል ጃብሪ መን’ዩ?
ንኣርባዕተ ዓመታት የማናይ ኢድ ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ ኣብ 2000ን ድሕሪኡን ኣልቃዒዳ ንኽስዓር ዓቢ እጃም ከም ዝነበሮ ይገለጽ።
ስዑድያ ምስ ናይ ኣሜሪካ፤ ዓባይ ብርጣንያ፤ ካናዳ፤ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ትካላት ስላያ ብጥምረት ንክትሰርሕ’ውን እቲ ቀንዲ መራኸቢ መስመር ስዓድ ኣል ጃብሪ እዩ ነይሩ።
ካብ ዩኒቨረስቲ ኢዱንብርግ ብ’ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ’ ብማዕረግ ዶክትሬት ዝተመረቐ ጃብሪ፡ ኣብ ስዑድያ ኣባል ካቢነ ዝነበረን ኣብ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ብማዕረግ ሜጀር ጀነራል ዝሰርሕ ዝነበረን እዩ።
እንተኾነ፡ ንጉስ ዓብደላ ምስ ሞተ ሓዉ ሳልማን ንስልጣን ንግስነት ተረኺቡ ነቲ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሉ ወዱ ንልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ሚኒሰትር ምክልኻል ገይሩ ምስ ሸየሞ ኣብ 2015 ኩሉ ነገር ተቐያይሩ።
ኣብ 2017 ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ደም ብዘይብሉ ዕልዋ ብሰናይ ፍቃድ ኣቡኡ ናብ ስልጣን ደይቡ።
ብድሕሪ እዚ እዩ ስዓድ ኣል ጃብሪ ብቱርኪ ገይሩ ናብ ካናዳ ተሰዲዱ።