እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ናይ ጀማል ካሾጊ ቅትለት ዘርኢ ቪድዮ ካብ ቱርኪ ሓቲታ
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ከምዝተቐትለ ዘርእይ ሓያል ጭብጢ ንምቕራብ መንግሰቲ ቱርኪ ቅዳሕ ቪድዮ ካብ መንግስቲ ቱርኪ ከምዝሓተተ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ [ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ] ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ቱርኪ ``ዝኾነ ጭብጢ እንተለዎም ክህቡና ሓቲትናዮም ኣሎና`` ኢሉ።
ጀማል ካሾጊ ብ2 ጥቅምቲ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ክኣቱ ከሎ ድሕሪ ምርእዩ ጨሪሱ ኣይተራእየን። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ ኢድ ከም ዘይብሉ'ዩ ዝገልጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጋዜጣ 'ዋሺንግቶን ፖስት' እታ ካሾጊ ሃለዋቱ ቅድሚ ምጥፍኡ ዘዳለዋ ዓምዲ ብምሕታም ዘርጊሓ ኣላ።
እታ ካሾጊ ዘዳለዋ ዓምዲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ነጻ ፕሬስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኢያ ትገልጽ።
ስጋብ ሕጂ እታ ናይ ካሾጊ ዓምዲ ንሕትመት ዘየቕረብናያ፡ ካሾጊ ብሰላም ክምለሰና ንትስፈው ስለዝነበርና ኢዩ ኢላ፡ ካረን ኣቲያ፡ ኣዳላዊት ኣምዲ ዓለማዊ ርእይቶ።
``ሕጂ ግና ክምለሰና ከምዘይኮነ ብምርዳእ እታ ናይ መወዳእታ ዓምዱ ብምስንዳው ኣብ ጋዜጣ ዘ ፖስት ንሕትመት ከቕርባ ኢየ`` ድሕሪ ምባል፤ ``እታ ዓምዱ ኣብቲ ዓረባዊ ዓለም ሓርነት ክነግስ ዘልዎ ፍቕርን ተገዳስነትን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሂወቱ ዝበጀወሉ ዕላማ፡ ብስርዓት ተንጸባርቕ ዓምዲ ኢያ ነይራ`` ኢላ ካረን ኣቲያ።
እቲ ናይ መወዳእታ ጽሑፉ እንታይ ይብል?
ጀማል ካሾጊ ኣብታ ዓምዱ ብዛዕባ ኣብቲ ዓረባዊ ዓለም ዘሎ ናይ ፕሬስ ናጽነት ሓያል ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ``እቲ ዓረባዊ ዓለም ባዕሉ ብዝሃነጾ መጋረጃ ሓጺን ተነጺሉ ይርከብ። ሕጂ እቲ ዓረባዊ ዓለም ዘድልዮ ዘበናዊ መሰጋገሪ ማዕከን ናይ ዜና ኢዩ፡ መታን ህዝቡ ብዛዕባ ዓለማዊ ምዕባለታት ክፈልጥ። ልዕሊ ኹሉ ግና ህዝቢ ዓረብ መታን ርእይትኡ ክገልጽ መድረኽ ከነዳልወሉ ኣሎና`` ኢሉ።
ካሾጊ ኣብታ ዓምዱ፡ ``ኣንጻር ናይ ስዑድ ዓረብ መንግስቲ ርእይትኡ ዝጽሓፈን፡ ዘይግብኦ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከብ ናይ ወዲ ዓዱ ዝኾነ ጽሓፋይ ሳልሕ ኣል-ሸሂ ጉዳይ እዩ ኣስፊሩ``።
``ኣብዚ እዋን ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብዘጓንፈሉ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነ ተቓውሞ ኣይርአን፡ እንተተራእየ ድማ ንሓጺር ግዜ ይኸውን እሞ ኣብ መጨረስታ ድማ ድምጾም የጥፍኡ`` ኢሉ ካሾጊ።
ናይ ትራምፕ መርገጺ ኣንታይ ኢዩ?
ስዑድ ዓረብ ሓንቲ ካብተን ጥብቕቲ መሓዛ መንግስቲ ኣሜሪካ ኢያ። ሕጂ ምስ ምጥፋእ ካሾጊ ርእይቶ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ ኣጸጋሚ ኩነት ይርከብ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ብጭቡጥ እቲ ቅትለተ ከምዝተፈጸመ ዘርኢ ቪድዮ መንግስቲ ቱርኪ ክትህባ ሓቲታ ከምዘላ ፕሬዚደንት ትራምፕ ገሊጹ። ``ኣነ እቲ ቪድዮ ከምዘሎን ከምዘየሎን ርግጸኛ ኣይኮንኩን፡ ምናልባሽ ይህሉ ይኸውን`` ድማ ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ካብቲ ኣብ ስዑድ ዓረብን ቱርክን ምብጻሕ ዝፈጸመ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተሩ፡ ማይክ ፖምፔዮ ጸብጻብ ይጽበ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ሓቂ ``ኣብ መወዳእታት ናይዚ ሰሙን`` ክግሃድ ኢዩ ኢሉ።
እቲ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ክኽውለሎም ይህቅን ኣሎ ንዝብል ኣንጻሩ ዝቐረበ ጠቐነ ``ኣነ እንታይ ኣጓኒፉ ክፈልጥ ኢየ ዝደሊ`` ብምባል ትራምፕ ጨሪሱ ነጺግዎ።
ኣብቲ ቪድዮ እንታይ ኣሎ?
ናይ ቱርኪ ማዕከናት ዜና ኣብቲ ናይ መወዳእታት ደቓይቕ ዝነበረ ዘስኻሕክሕ ፍጻሜ ብዝርዝር ኢዮም ኣቕሪቦሞ።
ሓንቲ ናይ ቱርኪ ጋዜጣ፡ ሓላፊ እቲ ቆንስል፡ መሓመድ ኣል-ኦታቢ 'ዉን፡ ካሾጊ ከምዝተቐትለ ክዛረብ ከሎ ይስማዕ ኢላ።
ብተወሳኺ ኣል-ኦታቢ ነቶም ናብ ኢስታንቡል ዝተላእኩ ናይ ስዑዲ ወኪላት ``በጃኻትኩም እቲ ክትገብርዎ ትደልዩ ኣብ ደገ ግበርዎ፡ ንዓይ ኣብ ሽግር ከተእትውኒ ኢኹም`` ከምዝበሎም የኒ ሳፋክ፡ ዝተባህለ ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ሰብ ገሊጹ።
ሚስተር ኣል-ዕታቢ ብሰሉስ ናብ ሪያድ ተመሊሱ ኣሎ።
ናይ መንግስቲ ቱርኪ መርመራ ከመይ ይኸይድ ኣሎ?
ናይ ቱርኪ መርመርቲ፡ ብሮቡዕ ስጋብ ናብ ሓሙስ ዘውግሕ ዘሎ ግዜ፡ ዳርጋ ንትሽዓተ ስዓታት ንመንበሪ ጋዛ እቲ ቆንስልን ከምዝፈተሽዎ ሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ቆንስል ግና ብሰኑይ ኢዩ ተፈቲሹ።
ብሰሉስ፡ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፔዮ ምስ ንጉስ ሳልማንን ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሳልማንን ተዘራሪቡ።
ኣብቲ ርክብ ልኡል ሳልማን፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ምጥፍእ ናይቲ ጋዜጠኛ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብላ ኣትሪሩ ገሊጹ።