እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ዝኣተዎ ዘይተፈለጠ ንጉስ ስጳኛ ነበር የዘራርብ ኣሎ
ደሃዩ ዘጥፈአ ንጉስ ስጳኛ ነበር ኣብ ሚድያታት እታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይ ኣሎ።
ብብልሽውና ዝድለ ወዲ 82 ዓመት ጁዋን ካርሎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ድሕረ ገጽ እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነታ ሃገር ገዲፉ ክወጽእ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ናበየነይቲ ሃገር ከምዝኸይድ ዘይቐሰ ጁዋን ካርሎስ፡ ገለ ጸብጻባት ከምዝብልዎ ናብ ዶሚኒካን ሪፐብሊክ ከይዱ ክኸውን ከምዝኽል ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ምስቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝስራሕ ፈጣን ባቡር ዝተሓሓዝ ጉዳይ ውዕል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስፔን ምርመራ ክግረሉ ዝጀመረ ንጉስ ነበር፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እንተዳኣ ዝደልዩዎ ኮይኖም ከዝራረቦም ድሉው ምዃኑ ኣብቲ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ እዩ።
አቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ንስም እቲ ድሕሪ ሞት ጀነራል ፍራንኮ ንፔን ብጥበብ መሪሑ ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋገራ ጁዋን ካርሎስ ኣዝዩ ሕማቕን ዘሕስርን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ጁዋን ካርሎስ፡ ኣብ 2014 ንግስንኡ ብፍቓዱ ንወዱ ኣርኪቡዎ ነይሩ'ዩ።
ናይቲ ንጉስ ነበር ካብታ ሃገር ምጥፋእ፡ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ዝተፈላለየ ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ።
ጋዜጣ ላ ቫንጋርድያ፡ መጀመርታ ናብ ፖርቱጋል ከምዝኸደን፡ ድሕሪኡ ኣብ ዶሚኒካን ሪፐብሊክ ምሰዝርከቡ መሓዙቱ ንምጽናሕ መደብ ከምዝነበሮን እንትትገልጽ፡ ማዕኸን ዜና ኤቢሲ ድማ ኣብ ደሞኒካን ከምዘሎ ከምዘረጋገጸት ሓቢራ። ካልኦት ድማ ኣብ ፖርቱጋል፣ኢጣልያ ወይ ፈረንሳ ከምዝህሉ ገሊጾም።
ጁዋን ካርሎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣጋጣሚታት እቲ ጉዳይ ኣብ ህይወቱ ሳዕቤን ከምዘምጽኣሉን፡ ወራሲ ዘውዱ ዝኾነ ወዱ ንጉስ ሊፕ ሻድሻይ ብኣግባቡ ስርሑ ክሰርሕ ምእንቲ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝደለየ ኣብቲ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ።