እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሃገረ ሶማልያ ዘሐጎሰ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕርሲ ሓንቲ ወላድ ኣደ
ኣብ ርእሰከተማ ሞቓዲሾ ሓንቲ ሶማላዊት ኣደ ሕምስቶ (quintuplets) ምውላዳ ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩ’ሎ።
እዛ 5 ዝተገላገለት ኣደ፡ ኣብቲ ኣብ ሞቓዲሾ ዝርከብ ብስም ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ራጂፕ ታይፕ ኤርዶጋን ዝጽዋዕ ሆስፒታል ከም ዝሓረሰት ተፈሊጡ።
ንሳን ደቃን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ እቲ ሆስፒታል ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ።
“ኣደን ደቃን ምስ ምሉእ ጥዕንኦም ኮይኖም፡ ብሓካይምና ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ። ምስጋና ነቶም ነዚ ክውን ዝገበሩ ሰብ ሞያ ትካልና።”
እቲ ሆስፒታለ ስእሊ ሓሙሽተ ኣጻብዕቶም ብምውጻእ ዝራኣዩ ኣባላት ጉጅለ መሕረስቲ’ውን ዘርጊሑ’ሎ።
“ሓንቲ ኣደ፡ 5 ቆልዑ (ሕምስቶ) ወሊዳ፡ ኣብ ዓለም ሳሕቲ’ዩ ዘጋጥም” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ስሉስቶን ርቡዕቶን ሓሓሊፉ ዘጋጠም እኳ እንተኾነ፡ ምውላድ ሕምስቶ ግን ሳሕቲ’ዩ ዝረአ። ማናቱ ምውላድ ግን ዝተደጋገመ ክስተት’ዩ።
ኣብታ ንዓመታት ናይ ጎነጽን ግጭትን ዜና ዘይፍለያ ሶማልያ፡ ዘሐጉስን ተኣምራታውን ዜና ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኮይኑ’ሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነታ ወላድ ኣደን ዕሸላት ደቃን ዮሃና እንዳበለት፡ ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።