ኣብ ህንዲ 10 ሰባት ኣልኮል ዝተሓወሶ መጽረዩ ኢድ ብምስታዮም ተመሪዞም ሞይቶም

ኣልኮል ዝተሓወሶ መጽረዩ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ህንዲ ዞባ ኣንደራ ፓራድሽ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ተኸልከለ፡ ኣልኮል ዝተሓወሶ መጽረዩ ኢድ [ሳኒታይዘር] ማይ ሓዊሰም ዝሰተዩ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

እዞም ነበርቲ ኩሪቺዱ ኣብ እትብሃል ዓዲ ዝኾኑ ህንዳውያን ኣብታ ዓዲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብብዝሒ ምስ ተራኣየ ኣብ ዕጽዋ ዝነበሩ እዮም።

ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሲዳሃረዝ ካውሹል እቶም ዝሞቱ ሰባት ነቲ ኣልኮል ዝተሓወሶ መጽረዩ ኢድ ማይን ልስሉስ መስተን ሓዊሶም ከምዝሰተይዎ ሓቢሩ።

ንሱ ብምስዓብ፡ እዞም ሰባት ውሉፋት ናይ ኣልኮላዊ መስተ ምንባሮምን ቅድሚ ምማቶም ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ መዓልታት፡ ነዚ ባዕሎም ዘቓመምዎ መስተ ደጋጊሞም ይሰትይዎ ምንባሮም ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

ሲዳሃረዝ ካውሹል ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቲ መጽረዩ ኢድ [ሳኒታይዘር] ካልእ ተጓዳኢ መርዛም ባእታ ከይህልዎ ቅምሶ ናብ ዝምለከቶ ኣካል ሰዲድና መርመራ ነካይደሉ ኣለና” ኢሉ።

ንሱ፡ “ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኩሉ ኣብያተ መስተ ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ እቶም ውሉፋት ነዚ መጽረዩ ኢድ ከም ኣማሪጺ ወሲዶም [ብቀሊሉ’ውን ስለዝርከብ] ይጥቀምሉ ምህላዎም ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና” ክብል ገሊጹ።

መንግስቲ ህንዲ፡ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይ ገለ ትካላት ንግዲ ከምዝኽፈታ ይገብር ኣሎ።

እንተኾነ፡ ገለ እቲ ለበዳ ብናህሪ ዘስፋሕፋሓለን ዘሎ ከተማታትን ገጠራትን ነቲ ኣዋጃት ዕጽዋ ኣትሪረነኦ ይርከባ።

ኣብ ደቡብ ህንዲ እትርከብ ዞባ ኣንደራ ፓራድሽ፡ ካብ ኣብነት እንተወሲድና ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብትሽዓተ ዕጽፊ ወሲኹ ይርከብ።

ህንዲ ትማሊ ጥራይ ልዕሊ 55,000 ሓዲሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክትረክብ እንከላ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ 779 ብምውሳኽ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 35,700 በጺሑ ኣሎ።

ኮሮና