ኣብ ቤላሩስ ኣንጻር ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘቕነዐ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ቤላሩስ ብመወዳደርቲ ፕረዚደንት ዝተወደበ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ቭያሳ ዝተበሃለ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ሚኒስክ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ልዕሊ 60,000 ሰባት ይሳተፉ ምህላዎም ገሊጹ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ በታ ኣንጻር እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ትወዳደር ዘላ ስቨትላና ቲካኖቭስካያ እዩ ተወዲቡ።

ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ከምዝወዳደር ምስ ኣፍለጠ እዩ፡ እዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ።

ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ 1994 ናብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ነታ ሃገር ገባርን ሓዳግን ኮይኑ እዩ ዝመርሓ ዘሎ።

ነዚ ሰልፊ ዝወደበት ስቨትላና ቲካኖቭስካያ፡ ብዓል ቤታ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከይሳተፍ ተኣጊዱ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ተኣሰረ’ያ፡ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክትሳተፍ ወሲና።

እቶም ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ኣሽሓት ሰባት፡ ነቲ ፕረዚደንት ዝቃወም ጭርሖታት ሒዞም’ዮም ናብ ጎደና ወጺኦም።

ስቨትላና ቲካኖቭስካያ “ሰለማዊ ናብራ ክነብር ዝመረጸ ሰብ ገበነኛ ኣይኮነን፡ ሰላምን ለውጥን ዝጠለበ ሰብ’ውን ከምኡ” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ፕረዚደንት ድማ “ኣንጻር ሕልናኻን ኣንጻር ህዝብኻን ኣይትስራሕ” ኢላቶ።

መንግሰቲ፡ ንብዓል ቤት ስቨትላና ቲካኖቭስካያ ዝኾነ ፍሉጥ ፖሎቲከኛ ስያርነህ ቲሲክሃኖስኪ ምስ ‘ዕሱባት’ ሩስያውያን ብምዃን፡ ኣብታ ሃገር ዕግርግር ክፍጽም ሓሲቡ ዝብል ክሲ እዩ ኣቅሪብሉ፡ ንሱ ግን ነቲ ነገር ከምይውዓሎ ሓቢሩ እዩ።

መንግስቲ ሩስያ ብወገኑ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኢዱ ከምዘየእቱ ብምሕባር፡ ንመንግስሪ ቤላሩስ ተወሳኺ መብርሂ ክህቦ ሓቲቱ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ጸጥታ ቤላሩስ ኣንድሬ ራውኮው ኣብቲ ‘ንምረጹኒ’ ዝግበር ምትእኽኻብ ናይ ህዝቢ ዕግርግር ንምፍጣር፡ ኣስታት 200 ሩስያውያን ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ብምርመራ ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሩስያ ዝኾነ ዲመትሪ ፔስኮቭ ትማሊ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብ ቤላሩስ 33 ዜጋታትና ተኣሲሮም ምህላዎም ፈሊጥና ኣለና። እንተኾነ ናብ ማእሰርቲ ከቃልዖም ዝኽእል ዘይሕጋዊ ነገር ምፍጻሞም ክነረጋግጽ ኣይከኣልናን” ኢሉ።