ኣብ 6ይ መረፃ ትግራይ ንምስታፍ፡ 5 ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 11 ውልቀሰባትን ተመዝጊቦም

ኣይተ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም

ኣብ 6ይ ዙርያ መረፃ ትግራይ ንምስታፍ : ሓሙስተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዓሰርተ ሓደ ውልቀ ተወዳደርትን ተመዝጊቦም።

ብመሰረት'ዚ ውድባት ህወሓት: ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ውድብ ናፅነት ትግራይን ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባን ኣብቲ መረፃ ንምንሕናሕ ከምዝተመዝገቡ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ሎሚ ኣማሽዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍላጡ።

ብመሰረት ሕጊ መረፃ ትግራይ እቶም ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ዝተመዝገቡ 11 ውልቀሰባት ክሳብ ሓምለ 30 ድጋፍ ክእክቡ ኣለዎም።

ጉድኣት ኣካል 750 ዘይጉድኣት ኣካል ድማ 1000 ድጋፍ ከረኽቡ ይግባእ ኢሉ ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም።

እቲ ኮሚሽን፡ ምዝገባ መረጺ ህዝብን መዓልቲ መረጻን ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝገብር ሓቢሩ።

ክልላዊ ውድባት ዓረና ትግራይን ዲሞክራስዊ ፓርቲ ትግራይን ኣብቲ መረጻ ከም ዘይሳተፉ ኣፍሊጦም።

ኣርማ መረጻ ኮሚሽን ትግራይ

ብሃገር ደረጃ መረጻ ንዘይተወሰነ እዋን ክናዋሕ ዝተወሰነ ኾይኑ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ ከምዝወሰነ ዝዝከር እ።

እንተኾነ፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እቲ ክልላዊ መረጻ ዘሳልጠሉ ሕጋዊ ኣግባብ የብለይን ክብል ነጺጉዎ።

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ግን፡ ሓድሽ ሕጊ መረጻን ኮሚሽን መረጻን ኣጣይሹ፡ እቲ መረጻ ንምክያድ ስርሑ እናሳለጠ ይርከብ።

እቲ ውሳነ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ወጥሪ ፈጢሩ ዝቐነየ ኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብቛንቋ ትግርኛ ዝሃቦ ቃለ መሓትት ዘዘሓሓሎ ይመስል።