እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ዘቆጻጺ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ደርፊ 50 ሚልዮን ሰባት ርእዮምዎ
“ጀሩሳሌማ” እትብል ናይ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ድምጻዊ ደርፊ ብዓለም ደረጃ ህቡብነት ኣጥርያስ ድሮ ኣብ ዩቱብ 50 ሚልዮን ሰባት ተዓዚቦማ።
ደራፋይ ማስተር ከይ-ጂ (Master KG) 50 000 000 ምብጽሓ ዝተሰምዖ ሓጎስን ሓበንን ብምግላጽ፡ ኣብ ትዊተር ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ዝጽውዕ ናይ ትዊተር መጸዋዕታ፡ (#Jerusalemachallenge) ዘርጊሑ’ሎ።
ድሮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢሎም ክቆጻጸዩ ዝጀመሩ ኣለዉ።
ማስተር፡ ኣብ ዝገበሮ ዝተፈላለየ ቃለመሕትታት፡ ደርፉ ብሚሊዮናት ኣፍሪቃውያንን ኣብ ካልኦት ክፍላተ-ዓለም ዝርከቡ ሰባትን ተቐባልነት ብምርካባ ከምዘሐጎሶ ክገልጽ ተሰሚዑ’ዩ።
እታ ብፍሉይ ሳዕስዒት ዝተሰነየት ደርፊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣውጽኡዋ።
ገለ ካብቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክቆጻጸዩላ ዝተራእዩ ሰባት ዘርኢ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ንምርኣይ፡ ንገለ ነቕርበልኩም።