እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን: ምስ ፈተነ ዕልዋ ኣልበሽር ዝተኣሳሰር ጋህሲ ተረኺቡ
ሱዳን: ምስ ፈተነ ዕልዋ ኣልበሽር ዝተኣሳሰር ጋህሲ ተረኺቡኣብ ሱዳን ናይቶም ኣብ 1990 ኣንጻር ዑመር ኣልበሽር ዕልዋ ዝፈተኑ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ምዃኑ ዝተጠርጠረ፡ 28 ኣስከሬናት ዘለዎ ጋህሲ ተረኺቡ።
ኣልበሽር ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት እዩ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ።
ኣብ ሚያዝያ 1990፡ እቶም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንቤትጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ከቢቦምዎ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ኣልበሽር፡ ኣብዚ ሰሙን በቲ ኣብ 1989 ዝፈጸሞ ዕልዋ ክሲ ተመስሪትሉ ኣሎ።
እቲ ኣስከሬናት ብኸመይ’ዩ ተረኺቡ?
እቲ ኣስከሬናት ኣብታ ምስ ካርቱም ለጊባ ዘላ ከተማ ኦምዱርማን እዩ ተረኺቡ።
ኣኽባር ሕጊ፡ ታገለሲር ኣልሐብር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምንዳይ እቲ ኣስከሬናት፡ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ትሕቲ መሪሕነት ኣልበሽር ዝተፈጸመ ግፍዕታት ንምጽራይ ዝግበር ዘሎ መርመራ ምዃኑ ገሊጹ።
“22 ክኢላታት ንሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ዝገበርዎ ጻዕሪ እዩ ተረኺቡ፤ ነቲ መቓብራት ናይ ምፍሓር ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ፤ ብድሕሪኡ ንመንነት እቲ ኣስከሬናት ንምልላይ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና መርመራታት ክገብሩ እዮም” ኢሉ።
እዚ: ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ካልኣይ ጋህሲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መርመርቲ፡ ኣስከሬናት ናይቶም ኣብ 1998 ካብ ማእከል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ ዝተቐትሉ ተማሃሮ ምዃኑ ዝተገለጸ ጋህሲ ከም ዝረኸቡ፡ እቲ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ።
ኣልበሽር ሕጂ ኣበይ ኣሎ?
ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ብብልሽውና ተኸሲሱ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት፡ ንኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ፈጺምዎ ብዝብሎ ህልቂት 300 ሽሕ ሰባትን ገበናት ኲናትን ከሲሱ ናብ ፍርዲ ከቕርቦ ይደልይ።