ፕረዚደንት ትራምፕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብዚ ዘለዎ ክብእስ ከምዝኽእል ተኣሚኑ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መብርሂ ንኽህብ ኣብ ዝቐረበሉ “ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ክብእስ’ዩ” ኢሉ።

ትራምፕ ብምስዓብ ኩሉ ህዝቢ ኣሜሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቐም ብምምዓድ እዚ ምስ ዝገብሩ ‘ሃገራውያን’ ከምዝብሎም ሓቢሩ።

እንተኾነ ንሱ’ውን ኣብቲ መግለጺ ዝህበሉ ዝንበረ እዋን መሸፈነኪ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይነበሮን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናትን’ውን ንኣገዳስነት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን የናሽዎ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ኣሜሪካ መጠን መልከፍቲ ብናህሪ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ፡ ተሓጋጋዝቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ተደጋጋሚ ክምሕጸንዎን ጸቕጢ ክገብርሉን ምጽንሖም’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ‘ዋይት ሃውስ’ ኮይኑ መብርሂ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሃበሉ “ኩሉ ሰብ ኣካላዊ ምርሕሓቐ ከተግብር ኣለዎ፡ እዚ ክንገብር ኣብ ዘይንኽእለሉ ድማ ግድን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክንጥቐም ኣለና” ኢሉ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ንኮሮናቫይረስ ‘ቫይረስ ቻይና’ እናበለ ዝጽውዖ ዝነበረ፡ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ዝንበረ ማስክ ካብ ጅብኡ ኣውጺኡ ኣብ ኢዱ ሖዝዋ እዩ ዝዛረብ ነይሩ ዘርብኡ ክሳብ ዝውድእ’ውን ኣይተጠቀመላን፡ ዘረብኡ ምስ ወደአ’ውን ናብ ጅብኡ’ዩ መሊስዋ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣንጻር ጆ ባይደን ‘ዓቐብ ዝኾነ’ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

ጆ ባይድን ብሰሉስ ንጋዜጣታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ዝኸፈአ ደረጃ ንኽብጽሕ ብምኽንያት ‘ወዛል’ ኣታሓሕዛ ፕረዚደንት ትራምፕ’ዩ ብምባል ንፕረዚደንት ትራምፕ “ንድሕነት ኣሜሪካ ሓቦ ዘይብሉ” ብምባል ከሲስዎ።

ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 3.9 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት ልዕሊ 141,000 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣሜሪካ ብቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።