ኢራን ናይታ ዘውደቐታ ነፋሪት ዩክሬን፡ ብላክ ቦክስ፡ ናብ ፈረንሳይ ሰዲዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኢራን ነታ ናይ ዩክሬይን ነፋሪት ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እያ ብጌጋ ወቒዓ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ኣውዲቓታ።
ሕዚ ኸኣ፤ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን ንዝነበረ ኹነታት ዘብርህ፡ ብላክ ቦክስ እናተብሃለ ዝጽዋዕ መኽዘን ሓበሬታ፡ ንምርመራ ናብ ፈረንሳይ ሰዲዳቶ።
እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 176 ሲቪል ተሳፈርቲ፡ ሽዑ ንሸዑ እዮም ሞይቶም።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ ብላክ ቦክስ ዓርቢ ከምዝተሰደደን ጽባሕ ከምዝረአን ኣፍሊጡ።
እቲ ሓደጋ ነፋሪት፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ኢራን ኣይወዓልክዎን ኢላ ክሒዳ ነይራ።
እንተኾነ ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ገለ መንግስታዊ ሓለፍቲ ምዕራባውያን፡ ኣብ ስለላ ተመርኲሶም ነቲ ተግባር ምስ ኣቃልዑ ኣሚና።
ኢራን፡ ነታ ነፋሪት ብጌጋ ምስ ክሩይዝ ሚሳኤል ከምዝተመሳሳለታ ገሊጻ ነይራ።
እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ዩክሬይን ሓሰን ሩሃኒ፡ ‘ይቕረ ዘይበሃሎ ስሕተት’ ክብል እዩ ገሊጽዎ።
ሓይሊ ኣየር ኢራን ኣብቲ እዋን ብተጠንቀቕ እዩ ጸኒሑ ነይሩ።
እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ንቅትለት ላዕለዋይ ጀነራላ፡ ቃሲም ሱሌማን ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ዒራቅ ዝርከቡ ክልተ ነቑጣታት ኣመሪካ ብባላስቲክ ሚሳኤል ኣጥቂዓ ነይራ።
እቲ መኽዘን ሓበሬታ፡ ንኹነታት እቲ ሓደጋ ዘርኢ ሓበሬታ ዝርከበሉ ኮይኑ፡ ሓደጋ እንተጋጥምን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘይምርድዳእ እንተተፈጢሩን ንዕኡ እዩ ምርመር።
ኢራን ነቲ ብላክ ቦክስ ንክትህብ ደንጉያ እያ ፍቓደኛ ኮይና።
እታ ሃገር ነቲ ምርመራ ብላዕለዋይነት ናይ ምምራሕ መሰል እንተሃለዋ’ኳ፡ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ እዮም ዝምርምርዎ።
ብፍላይ ኣብ'ዚ መርመራ፡ ሰብ ሞያ ፈረንሳይ ዝሳተፍሉ ኾይኑ፡ ኣብቲ ሓደጋ 55 ዜጋታት ዝሰኣነት ካናዳ፣ ከምኡ ድማ ዩክሬይን ኣብቲ መርመራ ሰብ ሞያ ልኢኸን ክሳተፋ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።
ኢራን እንታይ ኢላ?
ኢራን ብውልቃኣ መርመራ ዘካየደት ኮይና፡ ሰባዊ ጌጋን ትሑት ወተሃደራዊ ርክብን ምኽንያት እቲ ሓደጋ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ እያ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ግን፡ እቲ ጸብጻብ ዘይማዕበለን ቅድሚ ዓለም ለኻዊ መርመራ ምክያድ ዝወጸን ክብል ነቒፍዎ።
ኢራን ዛጊድ ኣብቲ ሓደጋ ኢድ ነይርዎም ንዝበለቶም፡ ሽድሽተ ሰባት ኣሲራ ኣለ።
እቲ ሓደጋ ብጌጋ ከምዝተፈጸመ ዛጊድ ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







