ግራስ 1፡ ኣመሪካ ነዳዲ ዝጽዓነት ዓባይ መርከብ-ኢራን ንክትሕዝ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
2.1 ሚሊዮን በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት ግራስ 1 ዝተብሃለት ዓባይ መርከብ ገንኢ-ነዳዲ፡ 4 ሓምለ ብዘይሕጋዊ መገዲናብ ሶርያ ነዳዲ ተስግር ነይራ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ጅብራልተር ተታሒዛ ጸኒሓ።
እንተኾነ፡ ምምሕዳር ግዝኣት ጅብራልትር፡ መርከብ ግራስ 1 እቲ ነዳዲ ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዘይትሸጦ መረጋገጺ በጺሑዎ ነይሩ'ዩ።
ብምዃኑ ድማ ዳይና ጅብራልተር፡ እታ ነዳዲ ዝጸዓነት ገንኢ ናጻ ክትልቀቕ ወሲኑ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ግን፡ እዛ ገንኢ ነዳዲ ክትትሓዝ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ዳይና ጅብራልተር ንትእዛዝ ኣመሪካ ነጺጉዎ።
ቅድም ክብል ኢራን መርከባ ምስተዓገተታ፡ "ዘይሕጋዊ ኢድ ኣእታውነት'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ ነይራ'ያ።
ግራስ 1 ምስ ተዓገተት፡ ብ19 ሓምለ ኢራን ድማ ኣብ ሆርሙዝ ዝነበረት ናይ እንግሊዝ ባንዴራ ዝሰቐለት መርከብ ጽዕነት ነዳዲ ኢንግሊዝ ዓጊታ ነይራ።
እታ 'ስቴና ኢምፔሮ' ዝተብሃለት መርከብ "ዓለማዊ ሕግታት ባሕሪ" ጥሒሳ'ያ ክትብል ገሊጻ'ያ። ብዙሓት ግን 'ሕነ ምፍዳይ' እዩ ክብሉ ገሊጸሞ።
ኣመሪካ እንታይ'ያ ትብል ዘላ?
ኣመሪካ ዓለማዊ ድንጋገ ቑጠባ ህጹጽ ግዘ፣ ጉሕለት ባንኪ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቁጽጻርን ሕግታት ግብረ ራዕዲ ብምጥቓስን፡ መርከብ ነዳዲ ኢራን ተታሒዛ ክትጸንሕ ኣለዋ ትብል።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ባንኪ ኣመሪካ ዘሎ ሽም እቲ ሒሳብ ገንዘብ ዘይተጠቐሰ፡ 'ፓራዳይዝ ግሎባል ትሬዲንግ' ናይ ዝተብሃለ ትካል ምኻኑ ዝተገልጸ $995,000 እውን፡ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ኢራን ርክብ ኣለዎ'ዩ ብምባል ክእገድ ኣዚኣ ኣላ።
ኣመሓደርቲ ጅብራልተር ግን፡ ሰበ ስልጣን ኢራን እታ መርከብ ማዕቀብ ሕብረት ኤውሮጰ ናብ ዝተነበረለን ሃገራት ከም ዘይተጎዓዕዝ መረጋገጺ ተዋሂቡና'ዩ ኢሎም።
ኣመሪካ፡ እዛ መርከብ ተታሒዛ ክትጸንሕ ኣለዋ እንተበለት'ውን፡ ብመሰረት ውሳነ ዳይና ጅብራልተር ግን እታ መርከብ ኣድላዪ ምድላው ምስ ወድአት፡ ሎሚ ወይ ጽባሕ ጉዕዝኣ ክትጅምር'ያ።
ኢንግሊዝ ኾነ ጅብራልታር፡ ኣሜሪካ ንዘውጽአቶ ትእዛዝ ዝሃብኦ ምላሽ የለን።
ግዝኣት ጅብራልተር ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ እትርከብ ብመንግስቲ እንግሊዝ ብርሕቐት እትመሓደር ዓዲ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







