ኢራን ንሲ-ኣይ-ኤ ሓበሬታ ሂቡ ንዝበለቶ ውልቀሰብ ብሞት ቀጺዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ሙኩር ሰራሕተኛ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ዝነበረን ንኣመሪካ ሓበሬታ ኣቐቢሉ ኢላ ዝኸሰሰቶን ውልቀሰብ ብሞት ከምዝቐጽዐት ኣፍሊጣ።
ሬዛ አስጋሪ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ብሞት ዝተቐጽዐ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ ጎላምሁሴን ኢሰማኢሊን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
እቲ ወሃቢ ቃል ከምዝበሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2016 ዝርዝር መደብ ሚሳኤል ኢራን ንትካል ስለያ ኣመሪካ ዝኾነ ሲ-ኣይ-ኤ ኣሕሊፉ ሂቡ ተባሂሉ አዩ ተኸሲሱ።
ተቐቲሉ ዘሎ ሬዛ ኣስጋሪ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝርከብ ትካል 'ኤሮስፐይስ' ብጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ነቲ ሓበሬታ ንሲ-ኣይ-ኤ ሂቡ ዝተበሃለ።
መዓዝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን መስርሕ ቤት ፍርዲ ከመይ ከምዝተፈጸመን ግን ኣይገለጸን።
መንግስቲ ኣመሪካ ዛጊድ በቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ፍርዲ ዝበሎ ነገር የለን።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ካልእ መሐሙድ ሙሳቪ-ማጃድ ዝተብሃለ ውልቀሰብ'ውን፡ ንሲ-ኣይ-ኤን ንሞሳድን [ትካል ስለያ ስራኤል] ብተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣሕሊፍካ ሂብካ ብዝብል ሞት ከምዝተፈረዶ ሓቢሩ።
እቲ ልሒዂ ዝተብሃለ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ሰራዊት ኢራን ኣብ ሶርያ ዘካይዶ ምንቅስቓሳት ዝምልከት ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ናይታ ሃገር ኑክሌርን ካልእ ወተሃደራዊ ምስጢራትን ንኣመሪካ ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ኢሉ ዝጠርጠሮም 17 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝተወ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ገለ ካብኣቶም ንሞት ዝተፈርዱ ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዝሰርሕ ዝነበረ ጃላል ሃጂዛቫር ንሲ-ኣይ-ኤ ክስልል ተረኺቡ ብዝብል ሞት ከምዝተፈርዶ ይግለጽ።
ኢራን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዓበይቲ ሚሳኤላትን ኑክሌራዊ ጸዓትን ዘለዋ ሃገር እያ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







