እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ ንፈለማ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ተራእዩ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ተራእዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዋሸንግተን ናብ ዝርከብ ‘ዋልተር ሪድ’ ዝበሃል ወተሃደራዊ ሆስፒታል ክበጽሕ እንከሎ እዩ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ከይዱ።
ኣብኡ፡ ምስ ቁሱላት ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ተራኺቡ።
ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ናብቲ ሆስፒታል ክብገስ ከሎ “ኣነ ቀደሙ’ውን እንተኾነ ኣንጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይነበርኩን፡ ቦታን ግዘን ኣለዎ በሃሊ እየ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕዚ ግን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ኣይገብርን ኢሉ ዝነበረ ኾይኑ፡ ንመነሓንሕቱ ጆ ባይደን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምጥቃሙ የባጭወሉ ነይሩ።
ትማሊ ቀዳም ግን “ብፍላይ ኣብ ሆስፒታል ክትከውን ከለኻ፡ እሞ ኸኣ ንብዙሓት ወተሃደራትን፡ ገና መጥባሕቶም ውድእ ኣቢሎም ንዝወጹ ሓኻይምን ኣብ እትረኽበሉ ቦታ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ጽቡቕ ይመስለኒ” ኢሉ።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፎክስ ቢዝነስ ኔትዎርክ ኣብ ዝነበሮ ቃለመሕተት፡ ትራምፕ “መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር የተባብዕ እየ” ኢሉ።
መሸፈኒ ክገብር ከለኹ ‘የጥዕመለይ እዩ’ ኸኣ ኢሉ። ንባዕሉ ድማ ምስ ‘ሎን ሬንጀር’ ዝበሃል መሸፈኒ ገጽ ዝገብር ገጸ-ባህርይ ኣመሳሲሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግን፡ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣመሪካ (ሲዲሲ)፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ከምዘለዎም ኣብ ዝምዕደሉ እዋን፡ ትራምፕ ‘መሸፈኒ ኣይክገብርን እየ’ ክብል እዩ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
“ንፕረዚደንታት፣ ቀዳሞት ሚኒስትራት፣ ውልቀመለኽቲ፣ ነገስታት ክቕበል ከለኹ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብርሲ ኣይረኣየንን” ኢሉ ነይሩ።
ገለ መራኸብቲ ብዙሓን ከምዝብልዎ፡ ኣማኸርቱ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ከሎ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንኽገብር ክምዕድዎ ጸኒሖም እዮም።
ኣመሪካ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓተት ጥራይ 66,528 ሓደሽቲ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ እያ ረኺባ። እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ ልዕሊ 135,000 ሰባት ሞይቶምዋ እዮም።