እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተሳትፎ ትግራይ አብ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ትማልን ሎምን?
ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ልፍንቲ ውድባት ኢህወደግ ፈሪሱ፡ ሰልፊ ብልጽግና ካብ ዝፍጥር፡ ፖለቲካ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተፈልየ መኣዝን ሒዙ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ህወሓትን ብልጽግናን፡ ኣብ ክልል ትግራይን ፈደራልን ሓያል ፍልልይን ምትፍናን ተኸሲቱ ኣሎ። ብሰንኪ’ቲ ፖለቲካዊ ወጥርን ለውጥን ከኣ ኣብ ወፍሪ ግድብ ህዳሰ ዝጸንሐ ሓባራዊ ኣረኣእያ እውን ዝተኸፋፈለ ይመስል።
ዋና ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሴ፡ እዚ ህሉው ፖለቲካ “ሕጉስን ዘይሕጉስን” ሰብ ስለዝፈጠረ ኣብ ግድብ ህዳሰ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ እኳ እንተለዎ፡ ብሓፈሻ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ግድቡ ንምዝዛም ብሓደ ልቢ ኣብ ሓደ መስመር ከምዝርከብ ይገልጻ።
“መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን [ኣሜሪካ ሞንጎኛ ኮይና ንግብጽን ኢትዮጵያን ክትሽምግል እንከላ] ኣብቲ ቤት ምኽሪ ግድብ ህዳሰ ‘ስለምንታይ?’ ዝብል ሕቶ ከምዝተላዕለን ህዝቢ ከኣ ዋላ ምስ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ግን ሓደ ዓይነት መርገጺ’ዩ ዘለዎ” ይብላ።
እቲ ብግብጺ ዘጋጥም ዘሎ ተቓውሞታት ንወንን ተሳትፎን ህዝቢ ብዝያዳ ከምዘበራበሮ ይዛረባ።
ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ገብረሚካኤል መለስ ግን፡ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝተፈጥረ ዛሕሊ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ከምዝገምገሙዎን ሰልፊ ብልጽግና፡ እቲ ግድብ ‘ንፕሮፓጋንዳ ተባሂሉ ከምዝተጀመረ’ ድሕሪ ምግላጹ ብዙሕ ካብ ህዝቢ ትግራይ ከምዘቖጠዐን ሓቢሩ።
“ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራን ‘ዝዓደግናዮ ቦንድ ይመለሰልና’ ብዝብል ሰፊሕ ድምጺ ተቓውሞ ኣስሚዖም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።
ብደረጃ መንግስቲ ዘይተኣርነቡ መልእኽትታት ክስምዑ ብምጅማሮም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ” ዝብል እቲ ዳይሬክተር በዚ ምኽንያት ኣብ ትግራይ እውን ኣብ ህዝባዊ ተሳትፎ ምንካይ ከምዝተረኣየ ይዛረብ።
ወይዘሮ ሮማን ብወገነን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሞት ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ ዝተፈጠረ ሕራነ፡ መሃንዲስ እቲ ግድብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ካብ ዝስምዓሉ እዋን ጀሚሩ እቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝነበሮ ሕራነ ከምዝወሰኸ እየን ዝሕብራ።
“እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብጥንቃቐ እዩ ዝከታተል። ‘ንምንታይ ምስ ኣሜሪካ ምድራዳር ኣድልዩ?’ ካብ ዝብል ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህብ’ዩ። ነዚ ምባሉ ከኣ ትኽክለኛ እዩ። እዚ ንስምዒት ዋንነት እዩ ዘንጸባርቕ። እዚ ግን ብገንዘቡ ኮነ ብጉልበቱ ኣብ ዝገብሮ ተሳትፎ ዘምጽኦ ለውጢ የለን” ይብላ ወይዘሮ ሮማን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ገለ ሰባት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ “ካብ ሕዚ ንደሓር ብዛዕባ እቲ ግድብ እንታይ ገደሰና?’ ዝብሉ ከምዘለዉ ዝሕብር ጋዜጠኛ ገብረሚካኤል ኪዱ ብወገኑ እዚ ግን ነቲ ኣብ ኩሉ ትግራዋይ ዘሎ ስምዒት ዋንነትን ተሳትፎን ግድብ ህዳሰ ዝውክል ከምዘይኸውን’ዩ ዝገልጽ።
“ህዝቢ ትግራይ እቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዎ ስምዒት ዋንነት ዝቕየር ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ፍረ-ቃልሱን መስዋእቱን እዩ። ብገንዘቡን ጉልበቱን ኣስተዋጽኦ ገይሩሉ እዩ። ስለዚ ተዛዚሙ ህዝቢ ክረብሓሉ ዝጸልእ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን። እቲ ፖለቲካዊ ጽዕንቶ ዝፈጥሮም ስምዒታት ግን ደርቢየዮም ማለት ኣይኮነን። ‘እንታይ ገደሰና፤ ዓድናኸ ዘይነልምዕ’ ዝብል ኣይሰኣንን ” ይብል እቲ ጋዜጠኛ።
ኣስዒቡ ድማ “ትማሊ ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ኣይናተይን ኢልካ ክትገድፎ ኣይትኽእልን። ብዝሰርሖ ስራሕ ዝሕበንን ተዛዚሙ ክርእይ ዝብህግን ህዝቢ ከምዝኾነ እየ ዝኣምን። ስለዚ እቶም ፖለቲካዊ ስምዒታትን ንልምዓት ዘለዎ ባህግን ክንፈላልዮም ይግባእ” ኢሉ።
ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ገብረሚካኤል ግን ብናይ ውሽጢ ዓቕሚን ሰብ ሞያን ይስራሕ ዝነበረሉ ኩነታት ገዲፍካ ንናይ ደገ ትካላት ክሰርሕዎ ምሃብ ሓደ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ጥርጣረ ዝፈጠሩ ምኽንያታት ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ።
“ህዝቢ ትግራይን መራሕቱን ኮነ ኢልካ ተስፋ ክቖርጽን ንሃገር ዘለዎ ስምዒት ክዳኸምን ይግበር ኣሎ” ዝብል እቲ ዳይሬክተር፡ መንግስቲ ፌደራል’ውን ህዝቢ ኣብቲ ግድብ ዘለዎ ስምዒት ንምፍታሽ ብዝብል ርእይቶ ህዝቢ ብምእካብ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ይዛረብ።
“መንግስቲ ነቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ግልጺ ክገብሮ ስለዘይደለየ እዩ እምበር ‘ፐብሊክ ሰርቨይ’ ኣካይዱ ነይሩ እዩ። ዝተረኸበ ውጽኢት ድማ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ነይሩ። ‘እዚ መንግስቲ በዚ ኣታሓሕዝኡ ንግድብ ህዳሰ ክዛዝሞ ኣይክእልን ምኽንያቱ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝምብርከኽ መንግስቲ እዩ ዘሎ’ ኢሉ እዩ ዝኣምን እቲ ህዝቢ” ክብል ድማ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ መንግስቲ “ነቲ ግድብ ኣብዚ ክረምቲ ማይ ምምላእ ክጅምር እየ” ብምባሉ ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እዚ ግብራዊ ንክኸውን ድፍኢት ይገብር ከምዘሎ ኣይተ ገብረሚካኤል ተዛሪቡ።
“ኣብ ትግራይ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ክፍጠር ዝኸኣለ ግን እቲ ግድብ ተዛዚሙ ንምርኣይ ካብ ዘለዎ ዝለዓለ ድልየት ዝነቅል እዩ” ብምባል፡ ዝገብሮ ተሳትፎ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን መሊኡ ከምዘይተቛረጸ ሓቢሩ።
"ከምዝጀመርናዮ ክንፍጽሞ ኢና"
24 መጋቢት 2003 ኣቆጻጽራ/ [ብፈረንጂ] ኢትዮጵያ ምጅማር ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስተበሰረን ብቐዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ እምነተ ሰረት ምስተነብረን እቲ ንዘመናት ሃብቲ ማዩ ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ ሕራነ ዝጸንሖ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደ ልብን መንፈስን “ከምዝጀመርናዮ ክንፍጽሞ ኢና” ክብል መብጽዓ ኣትዩ።
እቲ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ወረዳ ጉባ ህንጸቱ ዝካየድ ዘሎ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ መጠን ዘመንጭዎ ሓይሊ ልዕሊ 6 ሽሕ ሜጋዋት ከምዝኾነ ይግለጽ። ንህንጸቱ ዝውዕል 80 ቢልዮን ብር ከኣ ካብ ደገ ዝርከብ ደገፍን ልቓሕን ከይተጸበኻ ብኢትዮጵያውያን ክኸውን’ዩ ተወሲኑ።
ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዝከኣሎ ተሳትፎ ብምግባር ኣብቲ ህንጸት ኣሰሩ ንምዕራፍ ተረባሪቡ’ዩ።
ካብ ተምሃራይ ክሳብ ሰራሕተኛ መንግስቲ፤ ካብ ሓረስታይ ክሳብ ነጋዳይ፤ ካብ መዓልታዊ ሸቃሎ ክሳብ ቆሎ ዝሸጡ ተሳትፎ ንምግባር ከምዝተበገሱ ይግለጽ።
“ህንጸት ግድብ ህዳሰ ክጅመር እንከሎ ‘ብገንዘብና፣ ብጉልበትናን ብፍልጠትናን በዓልትና ክንሃንጾ ኢና’ ብዝብል’ዩ መንግስቲ ጀሚርዎ” ዝብላ ዋና ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሰ፡ ህዝቢ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዝለዓለ ወነን ሕራነን ከምዝተልዓለ ይገልጻ።
ንሰን ከምዝብልኦ፡ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ጾታን ካልእን ኣፈላላያት ከይተፈጠረ ኩሉ ብሓደ ልቢ ዝወፈረሉ ታሪኻዊ ፕሮጀክት ልምዓት’ዩ መመንጨዊ ሓይሊ ግድብ ህዳሰ።
“እቲ ሓረስታይን ሰበኽ ሳግምን እውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ብገንዘቡ ዝገብሮ ተሳትፎ ኣብ ናይ ተፋሰስ ስራሕቲ ልዕሊ 85 ቢልዮን ዝግመት ነጢፉ እዩ” ክብላ ነቲ ኣብ ምጅማር ዝነበረ ተበግሶ ይዝክራ።
ካብ ምጅማር እቲ ህንጸት ክሳብ ሎሚ ማለት’ውን ካብ 2003 ክሳብ 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ደገን ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝተኣከበ ገንዘብ ልዕሊ 13.5 ቢልዮን ብር ይበጽሕ።
እዚ ድማ ካብ ወፈያ፣ ዕድጊት ቦንድ፣ ብሓጺር መልእኽቲ ስልኪ [8100] ከምኡ’ውን ካልኦት መገዲታት ከምዝተኣኻኸበ ወይዘሮ ሮማን የረድኣ።
“ኣብ ትግራይ ቆሎን በለስን እናሸጡ ዘወፈዩ ኣለዉ”
ግድብ ህዳሰ ብህዝቢ፣ መራሕትን ገለ ፖለቲከኛታትን ክልል ትግራይ ከም ሓደ ዓብዪ ክብሪ (ሌጋሲ) ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ ከምዝቑጸር ይዝረብ።
እቲ ቀዳማይ ሚንስትር “መሃንዲሳት በዓልትና፤ ምንጪ ፋይናንስ’ውን በዓልትና” ክብል ምጅማር ህንጸት እቲ መመንጨዊ ሓይሊ ዘበሰረሉ መዓልትን ኩነታትን ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ኢትዮጵያዊ ኣብ ትግራይ’ውን ዝለዓለ ዝኽሪ ዘለዎ “ብስራት” ከምዝኾነ ዝገልጹ ብዙሓት’ዮም።
ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ገብረሚካኤል መለስ “ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብታ ወርሓዊት መሃይኡ ብመልክዕ ዕድጊት ቦንድ ዘይኮነስ ወፈያ እዩ ዝህብ ዝነበረ” ክብል ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኩነታት ይገልጾ።
“ነጋዶ፣ ነበርቲን ሓረስቶት’ውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከለዉ፡ ካብቲ ከወፍዮ ወይ ክልግሶ ዝኽእል ነገር ዘለዎ ሰብ ንላዕሊ ግን እቲ ትሑት መነባብሮ ዝነብር ሰብ ዝገበሮ ተሳትፎ እዩ ዝገርም” ዝብል ኣይተ ገብረሚካኤል ንዕለታዊ መግቡ ሰሪሑ ዝኣትው ከይተረፈ ካብታ ዝረኸባ እናነከየ ንህንጸት እቲ ግድብ ከምዝሃበ ይዛረብ።
“ኣብ ትግራይ ቆሎ ብምሻጥ ዝመሓደሩ/ራ ኣብ እዋን ክረምቲ በለስ ዝሸጣ፣ ጫማ ጸሪጎም ኮታስ ኣብ ኣዝዩ ትሑት መነባብሮ ዝርከብ ትግራዋይ ዓብዪ ተሳትፎ ዝገበረሉ ኩነታት እዩ ነይሩ” ክብል’ውን ብኣብነታት የረድእ።
ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝነብር ተጋዳላይ ኪሮስ ኣስፋው (ኪሮስ ማርታ) ንተኸታታሊ ሾሞንተ ዓመታት ብዘይምቁራጽ ፍርቂ ደሞዙ ብመልክዕ ቦንድ ኣስተዋጽኦ እናገበረ ይርከብ። እዚ ውልቀሰብ በዚ ተግባሩ ብደረጃ ሃገር ክብረወሰን ዝሓዘን ኣፍልጦ ዝረኸበን እዩ።
ብዘይካ’ዚ ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ዘየቋረጸ ዕድጊት ቦንድ ብምፍጻም አብቲ ህንጸት ተሳትፎ ዝገብሩለን ወረዳታት ትግራይ’ውን ከምዘለዋ ዝሕብር ኣይተ ገብረሚካኤል፡ እዘን ወረዳታት ብደረጃ ሃገር ከምዝፍለጣ ይዛረብ።
ክሳብ ሕዚ ብዕድጊት ቦንድን ብልገሳን ልዕሊ 650 ሚልዮን ብር ካብ ትግራይ ኣታዊ ክኸውን ኮይኑ’ሎ። “ናብ ዝተፈላለዩ ከባባታት ኢትዮጵያ ትዘውር ዝነበረት ዋንጫ ግድብ ህዳሰ ማለት ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ - ዋንጫ ብሄር ብሄረሰባት ብዝብል ዝሰየማ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 80 ሚልዮን ብር ክእከብ ኪኢሉ’ዩ” ይብል ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ገብረሚካኤል።
ኣብ ርእሲ እቲ ብገንዘብን ንዋትን ዝግበር ተሳትፎ ልዕሊ 4500 ሰባት [በቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝተመዝገቡ ጥራይ] ካብ ትግራይ ናብቲ ህንጸት ዝካየደሉ ክልል ቤኒሻንጉል ከይዶም ነቲ ህንጸት ብዓይኖም ርእዮምዎ።
ጋዜጠኛ ጋዜጣ ወይን ገብረሚካኤል ኪዱ፡ ንጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝምልከቱ ጸብጻባት ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ናብቲ ህንጸት ዝካየደሉ ቦታ ብምኻድ ናይ ምርኣይ ዕድል ካብ ዝረኸቡ ሓደ’ዩ ነይሩ።
“ህዝቢ ትግራይ ሓቢርካ ኣብ ምልማዕ ጽኑዕ እምነት ኣለዎ። ንህንጸት እዚ ግድብ ድማ ገንዘቡን ጉልበቱን ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ” ክብል ድማ ብወገን ትግራይ ዘሎ ስምዒት ዋንነትን ተሳትፎን ዝለዓለ ምዃኑ ይገልጽ።
ካብ ጽባሕ ምብሳር ህንጸት እቲ ዓብዪ ግድብ ጀሚሩ መላእ ህዝቢ ትግራይ ብገንዘቡን ብፍልጠቱን ከምዝወፈረ ዝዛረባ ወይዘሮ ሮማን “ብፍላይ ድሕሪ ሕልፈት ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ኣይተ መለስ ዜናዊ ሌጋሲኡ [ክብርታቱ] ንምዕቃብ ብዝብል መንፈስ’ዩ ብዝያዳ ዝከታተሎን ዝድግፎን” ክብላ የረድኣ።
ፖለቲካዊ ኩነታትን ህዝባዊ ተሳትፎን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ’ቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዓብዪ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዝተረኣየ ይፍለጥ።
ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ዝነበረ ኢህወዴግ ብልጽግና ፓርቲ ብዝብል ናብ ሓደ ውህደት ክጥርነፍ ከሎ ህወሓት ንበይኑ ክቕጽል ወሲኑ’ዩ። ኣብዚ ፖለቲካዊ ለውጢ ድማ ብዙሓት ክስተታት ተራእዮም።
ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ ካብ ዝለዓሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ከኣ፡ መሃንዲስ እቲ ግድብ ዝነበረ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ህይወቱ ሓሊፉ ዝተረኸበሉ ኩነታት’ዩ።
እዚ ኣጋጣሚ ንብዙሓት ከምዘቖጥዐን ህዝቢ ኣብ ምዝዛም ህንጸት እቲ ግድብ ዝነበሮ ተስፋ ብጥርጣረ ክትካእን ከምዝገበረ ርእይቶታት ይወሃቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ንህንጸት እቲ ግድብ ብዋናነት የፈጽም ዝነበረ ኮርፖሬሽን ምህንድስና ሓጺን መጺንን [ብልሙድ ኣጸዋውዓ - ሜቴክ] ብሰፊሕ ብልሽውና ተኸሲሱ ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ትካል ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ካልኦት ክልላት ተጠቃሚ እዩ ነይሩ ዝብል ዝተነዝሐ ሓበሬታ ከቢድ ቅሬታ ኣኸቲሉ እዩ።
እዝን ካልእ ጉዳያትን ምስቲ ኣብ ዝተወጠነሉ ግዜ ከይተፈጸመ ዓመታት ዘሕለፈ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘኸተሎ ጥርጣረን ቅሬታን ተወሲኹዎ፡ እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ “ናይ ለውጢ መንግስቲ” ነቲ ግድብ ክዛዝሞ ድልው ከምዘይኮነ ዝገልጹ ስክፍታታት ክወጽኡ ጀሚሮም’ዮም።
ንሱ ከኣ እዩ ኣብ ኣበርክቶ ግድብ ህዳሰ ምዝሕሓል ኣስዒቡ ዘሎ።