ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዉድሮው ዊልሰን፡ ስሙ ካብ ህንጻ ዩንቨርሲቲ ክሕከኽ እዩ

ዓሌታዊ ፕረዚደንት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ኣመሪካ ዩንቨርሲቲ ፕሪንስተን፡ ስም ነበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዉድሮው ዊልሰን ካብ ህንጻታቱ ክሓክኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምኽንያቱ ድማ እቲ ፕረዚደንት ዓሌታዊ እምነት ስለዝነበሮን፡ ዓሌታዊ ፖሊሲታት የፈጽም ብምንባሩን እዩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ብምኽንያት ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተልዓለ ‘ኣንጻር ዓሌታውነት’ ዘቕነዐ ተቓውሞታት ዝወለዶ እዩ።

ዊልሰን ካብ 1913 ክሳብ 1921 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረን ኣብ ምምስራት ሊግ ኦፍ ኔሽንስ ግደ ዝተጻወተን እዩ።

እንተኾነ፡ ጸለምትን ጸዓዱን ክተሓዋወሱ የብሎምን ዝብል መርገጺ ዝነበሮን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ጸለምቲ ካብ ጸዓዱ ክፍለዩ ዝገበር ፖሊሲ ዘንበረን እየዑ።

ኣብ ዩንቨርሲቲ ፕሪንስተን ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ጸለምቲ ተምሃሮ ናብቲ ዩንቨርሲቲ ከይኣትዉ ከልኪሉ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ነቶም ብልዕልነት ጸዓዱ ዝኣምኑን፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙን ጉጅለ ‘ኩ ክላክስ ክላን (ኬኬኬ)’ ደጊፉ ይዛረብ ነይሩ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ዩንቨርሲቲ ብስም እቲ ነበር ፕረዚደንት ሰይምዎም ንዝነበሩ ህንጻታት ክቕይሮም ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ናይቲ ዩንቨርሲቲ “ዓሌታውነት ዊልሰን ርኡይ እዩ። ዋላ በቲ ናቱ ግዜ እንተርኢናዮ፡ ርኡይ ዓሌታውነት እዩ” ኢሉ።

ብስም እቲ “ዓሌታዊ” ፕረዚደንት ዝጽዋዕ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ፡ ድሕሪ ደጊም “ቤት ትምህርቲ ህዝባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ፕሪንስተን” ተባሂሉ እዩ ክጽዋዕ።

ፕረዚደንት ዩንቨርሲቲ ፕሪንስተን፡ “እቲ ዩንቨርሲቲ ንዓሌታውነቱ ከይፈለጠ ደኣ’ምበር፡ ንዓሌታዊ ተግባራቱ ኣይኮነን ነዚ ኽብሪ ሂቡዎ” ኢሉ።

ዚ ንባዕሉ ግን ዓብዪ ጸገም ምዃኑ ገሊጹ “ፕሪንስተን’ውን ኣካል ናይታ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝበጽሕ ዓሌታውነትን ምጉናይን ሸለል እትብል ኣመሪካ እዩ” ኢሉ።

ኣብ መፈለምታ ናይ’ዚ ወርሒ፡ ካልእ ሞንማውዝ ዝበሃል ኣብ ኒው ጀርሲ ዝርከብ ዩንቨርሲቲ’ውን ስም ፕረዚደንት ዉድሮው ዊልሰን ካብ ህንጽኡ ሓኺኹ እዩ።