እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መረጻ ማላዊ ዝተዓወተ መራሒ ተቓዋሚ ቃለ መሓላ ፈጺሙ
ንተቓዋሚ ውድብ ዝመርሕ ላዛረስ ቻክዌራ፡ ኣብ ማላዊ ደጊሙ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተዓዊቱ፤ ቃለ መሓለ ፈጺሙ።
ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ 58.57% ድምጺ ብምርካብ እዩ ስዒርዎ ክብል ብቀዳም ኣማስዩ ገሊጹ።
ኣብቲ ደጊሙ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዜጋተት እታ ሃገር ብሰሉስ እዮም ድምጾም ሂቦም።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጉንበት ተኻይዱ ዝነበረን፡ ሙታሪካ ዝተዓወተሉን መረጻ፡ ሕገመንግስታዊ ቤትፍርዲ ማላዊ ‘ምትላል ነይርዎ’ ኢሉ ስለዝሰረዞ እዩ እቲ መረጻ ደጊሙ ተኻይዱ።
ማላዊ፡ እቲ ዝተኻየደ መረጻ ጸገም ኣለዎ ብምባል ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝሰረዘት ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ኬንያ’ውን ብ 2017 ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳዳ ይዝከር።
ውጽኢት ዓወቱ ብወግዒ ምስተኣወጀ ቻክዌራ “ዴሞክራስን ፍትሕን ስዒሩ” ድሕሪ ምባል፡ ልቡ ታሕጓስ መሊኡ ከምዘሎ ገሊጹ።
ደገፍቱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይታ ሃገር፡ ከተማ ሊሎንግወ፡ ናብ ኣደባባያት ወጺኦም ጥሩንባ መኪነኦም እናነፍሑን ርችት እናተኮሱን ንዓወት ቻክዌራ ጸምቢሎምዎ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ሎሚ ድሕሪ ሰዓት እዩ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
እቲ መረጻ ንምንታይ ተደጊሙ?
እቲ መረጻ ክድገም ዝተገብረ፡ ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር፡ እቲ በ ብ2019 ዝተኻየደ መረጻ ብዙሕ ጸገማት ነይሮምዎ ብምባል ስለዝሰረዞ እዩ።
ኣብቲ ናይ ሽዑ ውጽኢት፡ ፕረዚደንት ሙታሪካ ብንእሽቶ ብልጫ፡ ኣስታት 159,000 ዝያዳ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ እዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ሽዑ፡ ካልኣይ ከምዝወጸ ዝተገለጸ ቻክዌራ፡ ኣብቲ መረጻ ምትላል ከምዝተፈጸመ ተኻቲዑ።
ድሕሪ እቲ ውጽኢት፡ ወጥሪ እዩ ዓሲሉ ጸኒሑ። ደገፍቲ ናይቲ ተቓዋሚ ምስ ፖሊስ ተጓኒጾም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ከኣ እቲ መረጻ ክድገም ቤት ፍርዲ ወሲኑ። በዚ ውሳነ ድማ፡ ገሊኦም ክሕጎሱ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ሙታሪካ ግን ከምዝሓዘነ እዩ ገሊጹ።
“ፍትሒ ኢዳ ተጠውያ” ድሕሪ ምባል ኣብታ ሃገር ዴሞክራሲ ሞይታ ክብል እዩ ገሊጽዎ ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን መረጻ ከመይ እዩ ክካየድ ዝብል’ውን ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ እዩ።
ተዓዊቱ ዘሎ ላዛረስ ቻክዌራ መን እዩ?
ቻክዌራ ቅድም ኢሉ ናይ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ዝነበረ ኮይኑ፡ ማላዊ ኮንግረስ ፓርቲ ዝበሃል ተቓዋሚ ውድብ እዩ ዝመርሕ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ብሕርሻ ካብ መዝሓደሩ ስድራ እዩ ተወሊዱ። ብፍልስፍናን ስነ-መለኮትን እዩ ተመሪቑ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝኽፈል ዝተሓተ መጠን መሃያ ክብ ከምዘብሎ እዩ ዝገልጽ። ካልኦት ለውጥታት ንምግባር’ውን ተመጻቢዑ እዩ።
ቻክዌራ ናይ ትሸዓተ ውድባት ልፍንቲ’ውን ዝመርሕ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ነበር ናይታ ሃገር ጆይስ ባንዳ ደጋፊኡ እዩ። ናይታ ሃገር ምክትል ፕረዚደንት ሳውሰስ ችሊማ ድማ፡ ከም ምክትሉ ኮይኑ ምስኡ እዩ ተወዳዲሩ።
ቺሊማ ኣብቲ ብ 2019 ዝተኻየደ መረጻ ሳልሳይ ኮይኑ እዩ ነቲ ውድድር ዛዚሙ። ኣብ ሓደ እዋን መሓዛ ፕረዚደንት ሙታሪካ ዝነበረ ቺሊማ፡ ኣብዚ እዋን ግን ኣይቃደዉን።