ንህጻናት ብኢንስተግራም ዝሸጡ ደለልቲ ተታሒዞም

ኣብ ኢራን፡ ክልተ ህጻናት ንምሻጥ ብኢንስተግራም እናወዓዓሉ (እናደለሉ) ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ኣዛዚ ፖሊስ ቴህራን፡ ብርጋዴር ጀነራል ሑሴን ራሂሚ፡ እቲ ሓደ ህጻን ካብ ዝውለድ 20 መዓልቲ ከም ዘይመልኦ ብምግላጽ፡ እታ ኻለአይቲ ድማ ናይ ክልተ ወርሒ ህጻን ከም ዝኾነት ሓቢሩ።

እቶም ደላሎ፡ ነዞም ህጻናት ከስቢ ረኺቦም ንምሻጥ ብምሕሳብ፡ ብ 500 ዶላር ዝዓደጉዎም ኮይኖም፡ ብኢንስተግራም ብ 2 ሽሕ ዶላር ክሸጥዎም ኣብ ዝፍትንሉ’ዮም ተታሒዞም።

ካብ ሓደ ህጻን ካብ 1500 ሽሕ ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር፡ ከስቢ ንምርካብ ሓሲቦም ነይሮም ድማ ተባሂሉ።

ካብቶም ጥርጡራት እቲ ሓደ፡ ነዞም ህጻናት ካብ ድኻ ስድራቤት ስለ ዝረኸብናዮም፡ ዝሓሸ ናብራ ንክረኽቡ ኢና ክንሸጦም ሓሲብና ኢሉ።

ብርጋዴር ጀነራል ራሂሚ፡ እቶም ህጻናት ንመሸጣ ከም ዝቐረቡ ብኢንስተግራም መወዓውዒ ተሰሪሑ ምስ ተባህለ፡ ብዝተገብረ ክትትል ኢና ኣብ ቀይዲ ኣኣእቲናዮም ኢሉ።

ነዞም ህጻናት ንምሻጥ ድማ፡ በዓል 15 ገጽ ስምምዕ ከም ዝተዳለወን፡ ስእሊ ክልቲኦም ህጻናት ከም ዝተረኽበን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ህጻናት ናብ ማእከል መናበዪ ህጻናት ክኣትው ተገይሩ ኣሎ።

ብርክት ዝበሉ ኢራናውያን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንወሊድ ዘለዎም ድልየት ስለ ዝነከየ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ሓደሽቲ ዝውለዱ ህጻናት ይንኪ ከም ዘሎ መንግስቲ ገሊጹ።