ሓበሬታ ዓለም ኣብ ሰማያት ክኽዘን ይክኣልዶ ይኸውን?

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ስልጣነ ደቂሰባት ኣዝዩ ተሓምቢቡ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ መዓልታዊ ስራሕናን መነባብሮናን ምስ ዲጂታዊ ዓለም ኰይኑ ይርከብ። እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ምህዞ ዘድልዮ ብድሆ ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ንዘመናት ኣብ ኣእማን፡ ብራናታትን መጽሓፍትን ዝውቀርን ዝቕለምን ዝነበረ ሓበሬታ ንምዕቃብ ቤተመዘክራት ወይ ከምቲ ናይ ጥንታዊት ኣለክሳንድርያ፡ ብሪቲሽ ላይብረሪ ወይ ኮንግረስ ላይብረሪ ዝበሉ ኣብያተ-ስነዳ ምህናጽ ግድነት'ዩ ኰይኑ።

ስለዚ ድማ'ዩ፡ ቤተመጽሓፍቲ፡ መጠኑ ብዘየገድስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ቤትጽሕፈት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲን ትካላት መንግስትን ብሕትን ኣካል ህይወትና ካብ ዝኸውን ዘመናት ኣቚጺሩ ዘሎ።

እዚ ኵሉ ተሓሊፉ ዓለም ናብ ዲጂታዊ መድረኽ ምስ በጽሐት'ውን ነቲ ከም ማይ ዝውሕዝ ሓበሬታ ብኸመይ ንዓቅቦ ዝብል እዋናዊ ሕቶ ተቐልቂሉ።

ብውልቂ'ኳ ቪድዮታትናን ስእልታትናን ንካሜራታትናን ተለፎናትናን መሊኡ ናብ 'ኣይክላውድ'ን ሃርድዲስክታትን ዕቑባ ክሓትት'ዩ ዝርአ። ግና ናይ ወልቅስ 'ደለ ምኾነ፣ ናይ መላእ ስልጣነ ዓለምከ እንታይ ይዅን?

ከምቲ ከተማታትና እናዓበያ ምስ መጻ ዝተፍእኦ ዘይተኣደነ ጐሓፍ ግቡእ ኣልያ ንኽረክብ ዳግመ-ምምስራሕ (ሪሳይክሊን) ዝግበረሉ፡ ዝድርበ ጒሒፍና ዝተርፍ ሓበሬታ ንምዕቃብ ዝተፈላለዩ ምህዞታት'ዮም ዝፍተኑ ዘለዉ።

ልቢወለዳዊ ፊልም ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል ይኸውን፣ ግና ክኢላታት ዕቃበ-ሓበሬታ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ሓሳብን ውጥንን ከምዘለዎም'ዮም ዝገልጹ።

ሓደ መዓልቲ ትካሉ ኣብ ወርሒ ማዕከን ሓበሬታ ክምስርት ምዃኑ ተኣማሚኑ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ጠፈር ማእከል ሓበሬታ ምምስራት፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ውሕስነት ምፍጣር ጌርና ኢና ንርእዮ" ይብል ፕረዚደንት ናይ ሓደ ሎንስታር ዳታ ሆልዲንግስ ዝተባህለ ትካል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ትካል ሓንቲ ክንዲ ተሪር ገበር መጽሓፍ ትኣክል ማዕከን ዲጂታዊ ሓበሬታ ምስ ሓንቲ ናብ ወርሒ ዝነቐለት 'ኣቴና ሉናርላንደር' ዝተባህለት መንኮርረር ተሓዚላ ከም እትኸይድ ብምግባር ዕዉት ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ።

እታ 'ኢንችዊቲቭ ማሽንስ' ብዝተባህለ ትካል ዳህሳስ ጠፈር ዝተሰርሐት መንኮርኮር ንባዕላ'ውን ብመንገዲ ናይቲ ኢሎን ማስክ ዝውንኖ ስፔስ ኤክስ'ያ ናብ ሰማያት ተወንጪፋ።

ማእከል ሓበሬታ፡ መርበባት ሓበሬታ፡ ትካላትን መንግስታትን ዝጥቀምሉ ሓበሬታ ዝኽዝንን ዘመስርሕን ዘይተኣደነ ኮምፒዩተራት ዝሓዘ መኽዘን'ዩ።

ትካል ሎንስታር ከምዝብሎ፡ ንኸምዚ ዝበለ ማእከላት ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ወርሒ ምምስራት ንተጠቀምቲ ውሕስነት ዘለዎ ሓበሬታ ብቐጻሊ ክረኽቡ፡ ከምኡ'ውን ደረት ኣልቦ ጸሓያዊ ጸዓት ክጥቀሙ ዝገብር'ዩ።

ዋላ'ኳ ኣብ ጠፈር 'ዚመደበሩ ማእከላት ሓበሬታ ክልሰ-ሓሳባዊ ዝመስል እንተኾነ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዕቱብ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።

መንቀሊ ናይቲ ሓሳብ ልዑል ጠለብ ሮኬታት፡ ከምኡ'ውን ንዕኡ ዝኸውን ውሑስ ቦታታት ኣብ ምድሪ ክርከብ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ'ዩ።

ምስፋሕን ብኪነታዊ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝግበር ንጥፈታት ኮምፒዩተር'ውን ነቲ ክዕቀብን ክምስራሕን ዘድሊ ሓበሬታ ኣዝዩ ከምዝውስኽ ገይሩዎ'ዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ጠለብ ማእከላት ማዕከን ሓበሬታ ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ። 'ማኪንሲ' ዝተባህለ ትካል ከምዝብሎ፡ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ካብ 19 ሚእታዊት ክሳብ 22 ሚእታዊት ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብቐጻሊ ሓደስቲ ማእከላት ክፍጠሩ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ ቦታ ክርከበሎም ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ማእከላት ማዕከን ሓበሬታ ዓበይትን ሰፋሕትን ኰይኖም፡ ልዑል ጸዓትን መዝሓሊ ማይን ዝሓቱ'ዮም። ነበርቲ ድማ ኣብ ከባቢኦም ከምዚኦም ዝበሉ ማእከላት ክህልዉ ኣይደልዩን'ዮም።

ስለዚ፡ ነዞም ማእከላት ኣብ ጠፈር - ኣብ ዙርያ ምድሪ ዑደት ኣብ ዘካይዳ ሳተላይታት ወይ'ውን ኣብ ወርሒ ምግባሩ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣይክህሉን'ዩ በሃልቲ'ዮም እቶም ነቲ ተበግሶ ዝወስዱ ዘለዉ ትካላትን ክኢላታትን። ኣብ ጠፈር ደረት ኣልቦ ጸሓያዊ ጸዓት ኣሎ፡ ምኒን ዝብሉ ጎረባብቲ ይዅኑ ተሓለቕቲ ኣከባቢ'ውን የለውን።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ ኣብ ጠፈር ዝመደበሩ ማእከል ሓበሬታ ምህላዉ፡ ነቲ ዕማም ጥራይ ዘገልግላ ሮኬታት (ስፔስክራፍት) ወይ ትካላት ጠፈር ክፍጠራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጠፈር ሰማየ-ሰማይ ስሉጥ ምስግጋር ሓበሬታ ክህሉ ዕድል ዝኸፍት'ዩ።

ኣብ ክረምቲ 2024 ሓደ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝተመወለ ፕሮጀክት ተኽእሎ ኣብ ህዋ ዝዘውር ማእከላት ማዕከን ሓበሬታ ንምድህሳስ ዝዓለመ መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ።

እቲ ብምትሕብባር ክልተ ትካላት ጠፈር ኢጣልያን ፈረንሳን ዝተኻየደ መጽናዕቲ "ንዲጂታዊ ዓውዲ ኣውሮጳ ዝቕይር'ዩ" ይብል። ንድሕነት ኣከባቢ ዝሰማማዕ ምዃኑ'ውን የስምረሉ።

'ቴልስ ኣለኒያ ስፔስ' (ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣካል) ከምዝብሎ፡ 200 ሜትሮ ብ80 ሜትሮ ዝዓቐነን 13 ጭፍራ ሳተላይታት ክህነጻ ኣለወን። እተን ሳተላይታት ኣስታት 10 ሜጋዋት ጸዓት ዘመንጭዋ'የን። እዚ ምስቲ ኣብ ምድሪ ዝህነጽ 5,000 ሰርቨራት ዝሓቖፈ ማእከላይ ዓቐን ዘለዎ ማእከላት ሓበሬታ ዝዳረግ'ዩ።

በዚ ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ቴክኖሎጂ እተን ዝሕሰባ ዘለዋ ሳተላይታት ኣብ ጠፈር ክገጣጠማ ይኽእላ እየን።

ዋላ'ኳ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ዘለዉ መሃንድሳትን ትካላትን ኣብ ከባቢ 2030 ወይ 2035 እቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ዝገልጹ እንተዀኑ፡ ካልኦት ክኢላታት ግን ነቲ ዘድሊ ቴክኖሎጂ ህያው ንምግባር ዓቢ ብድሆታት ከምዘሎ'ዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ኣንግሊያ ራስኪን ዩነቨርሲቲ መምህር ስርዓተ-ብልሒን ዳታ ሳይንስን ዝኾነ ዶ/ር ዶመኒኮ ቪሲናንሳ ከምዝብሎ፡ ብሮኬታት ካልኦት ትካላት ናብ ጠፈር ንብረት ንምጉዕዓዝ ኣዝዩ ክቡር'ዩ።

"ጠፈር 'ዚመደበሩ ማእከል ሓበሬታ፡ መሳርሒ ጥራይ ዘይከነ፡ ውሕስነት፡ ጸዓትን መዝሓልን ክረክብ ኣለዎ። እዚ ድማ ክብደትን ሕልኽላኽን ዝፈጥር'ዩ" ይብል።

ብፍላይ ናይ ምዝሓል ጉዳይ ኣቓልቦ ዘድልዮ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ዋላ'ኳ ጠፈር ዝሑል እንተኾነ፡ መዝሓሊ ስርዓተ-ቴክኖሎጂ ብዘይ ስሕበት ብግቡእ ኣይሰርሑን'ዮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ኵነታት ኣየር ጠፈር ንኤልክትሮኒክስ ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ኣብ ህዋ ዝርከብ ፍንጫላት ከውሒ ጠፈርን ዝተጓሕፋ ሳተላይታት'ውን ንውሕስነቱ ኣስጋኢ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

"ንዘጋጥም ጸገማት ኣብ ዙረት ከተዐሪ'ውን ቀሊል ኣይኮነን። ሮቦትን ካልእ ምዕቡል መሳርሒታት'ውን ድሩትነት ኣለዎ" ይብል ዶ/ር ቪሲናንዛ።

"ዓቢ ናይ ሃርድዌር ጸገም ምስ ዘጋጥም እሞ ኸኣ ልዑል ወጻኢ ዝሓትት ሰብ ናይ ምስዳድ ኵነታት ክፈጥር ይኽእል'ዩ" ብምባል እዚ ድማ ሳምንቲ ወይ ኣዋርሕ ከምዝወስድ ይዛረብ።

ከም 'ሎንስታር' ዝበሉ ትካላት ግን፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ስለዝኾነ ነቲ ብድሆታት ከምዝሰግርዎ'ዮም ብርእሰተማንነት ዝቕጽሉ ዘለዉ።

ዝቕጽል መደቦም ድማ ኣብ 2027 ኣብ ዙርያ ወርሒ ዝዘውር ማእከል ሓበሬታ ምምስራት'ዩ።

ከም ኣብ ካልእ ዓውድታት ቴክኖሎጂ ግን፡ ኣብዚ'ውን ናይ መን ቀደመ ውድድር ይካየድ ኣሎ'ዩ።

ንኣብነት 'ስታርክላውድ' ዝተባህለ ኣመሪካዊ ትካል ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ሳተላይት ዝተሓዝለ ማእከል ሓበሬታ ናብ ህዋ ክውንጭፍ'ዩ ዝዳሎ ዘሎ። ኣብ 2026 ድማ ንግዳዊ ክገብሮ ትጽቢት ይገብር።

ሎንስታር ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብ ጠፈር ዝኽዘን ሓበሬታ፡ ብመሬት ስለዘይሓልፍ ካብ ሰርሰርቲ ክድሕን ይኽእል'ዩ።

እቲ ሓበሬታ ካብ ወርሒ ናብ ምድሪ ክጓዓዝ ሓደ ካልኢትን ፈረቓን'ዩ ዝወስደሉ። እዚ ግን ንነዊሕ እዋን ንዝዕቆር ሓበሬታን ንስነዳን ጸገም ዝፈጥር ኣይኮን።

መስራቲን ኣካያዲን ሎንስታር ክሪስ ስቶት ከምዝብሎ፡ እቲ ውጥን ትካላት ንሕግታት ምዕቃብ ሓበሬታ ከኽብሩ፡ ብፍላይ ሓበሬታ ኣብ መበቆል ሃገር ክዕቀብ ኣለዎ ንዝብል ቅጥዕታት ብቐሊሉ ንምትግባር ዕድል ዝፈጥር'ዩ።

"ብመሰረት ሕጊ ጠፈር፡ ሓደ ሳጹን ኤለክትሮኒክስ ቃል ብቓል ኣብ ትሕቲ ሕጊ ናይታ መስርሒ ፍቓድ ዝሃበት ወይ ዝፈጠረት ሃገር'ዩ ዝመሓደር። ስለዚ [እዚ ወጥን] ኣብ ጠፈር ኤምባሲ ከም ምፍጣር'ዩ" ይብል።

ሎንስታር ድሮ ከም ኣመሪካዊት ክፍለሃገር ፍሎሪዳን ኣካል ብሪጣንያ ዝኾነት ኣይል ኦፍ ማንን ዝበሉ ዓማዊል ረኺቡ'ሎ።

እዚ ኣብ ሰማያት ክፍጠር ዝሕሰብ ዘሎ ደበና ብሓበሬታ ዘቕቢቡ ክሃርም እንተኽኢሉ፡ ካልእ ደረጃ ሰውራ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ከይኮነ ኣይክተርፍን'ዩ።