ትራምፕ፡ ንግዝኡ ቪዛን ግሪን ካርድን ከይወሃብ ኣጊዱ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ክሳብ መወዳእታ 2020 ንወጻእተኛታት ቪዛን ግሪን ካርድን ከይወሃብ ኣዚዙ።

እዚ መምርሒ ተግባራዊ ክኸውን እንከሎ፡ ክኢላታት ቴክኖሎጅን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን፣ ካብ ሕርሻ ወጻእ ኣብ ዘለው ዓውድታት ዝዋፈሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ከምኡ'ውን ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ኩባኒያታትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ቪዛ ንምርካብ ክጽገሙ'ዮም።

መግለጺ ዋይት ሃውስ ከም ዝብሎ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቑጠባዊ ኪሳራ ንዘጋጠሞም ኣሜሪካውያን ዕድል ስራሕ ንምምችቻው እዩ ነዚ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ወጺኡ።

ይኹን'ምበር፡ ትራምፕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ሕጊ ኢምግሬሽን ክሰጥም እዩ ዝገብር ዘሎ ብምባል ይነቕፉዎ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ቪዛ ንመን ይምልከት?

እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ እንተውሓደ ንፍርቂ ሚሊየን ሰባት ክሃሲ'ዩ።

ካብዚኦም፡ እቶም 170 ሽሕ ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ [ግሪን ካርድ] ክረኽቡ ዝጽበዩ ዝነበሩ'ዮም።

ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሕቶ ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምቕባል ንግዝኡ ጠጠው ከም ዘበለ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ፡ ትማሊ ከብቅዕ ትጽቢት ነይሩ። ዳግም፡ ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ ክናዋሕ ክኢሉ ኣሎ።

ሕጂ፡ ናይ ኣሜሪካ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ግን እዚ ሓድሽ መምርሒ ኣይምልከቶምን ተባሂሉ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ ቪዛ ትራምፕ፡ ኤች ዋን ቢ ቪዛ (H-1B visas) ንዘለዎም ሰባት'ውን ይምልከት እዩ። መብዛሕትኦም ናይዚ ቪዛ ተጠቀምቲ ህንዳውያን ሰራሕተኛታት ቴክኖሎጂ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፡ 225 ሽሕ ሰባት በዚ ቪዛ ጥራሕ ኣብ ኣሜሪካ ስራሕ ረኺቦም ከመልክቱ ከለው፡ እቶም 85 ሽሕ ቪቫ ተሃሪሙሎም።

ብተወሳኺ፡ ኤች ቱቢ (H-2B) ዝተባህለ ቪዛ ንምርካብ ዘመልክቱ ሰባት'ውን በዚ ሓድሽ መምርሒ ክጽለው'ዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ሆቴልን ቱሪዝምን [ብሓፈሻ ምስሳይ] ዝሰርሑ ሰባት በዚ ቪዛ እዮም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ፣ ምውህሃድ መግቢ ከምኡ'ውን ጥዕና ንምውፋር ዝመጽኡ ሰብ ሞያ፡ እዚ መምርሒ ኣይእግዶምን።

ብተወሳኺ፡ ናይ ጄዋን (J-1) ዘመልክቱ ሰባት እዚ መምርሒ ክኽልክሎም እዩ።

መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ እዚ ቪዛ፡ ናይ ኣሜሪካ ጻንሒቶም ክናውሐሎም ዝሓቱ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን እዮም።

ኣብዚ እገዳ ግን፡ ተመሃሮን ፕሮፌሰራትን ዩኒቨርሲቲ ኣይተኻተቱን።

ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ዝመርሑ ሰባት ዝሓቱዎ ኤል ቪዛ'ውን ተኣጊዱ ኣሎ።

እዚ፡ ሓያል ነቐፌታ ዘምጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ፕሬዝደንት ንስደተኛታት ዘለዎ ጽልኢ፡ ኮሮናቫይረስ ምኽንኣት ብምግባር ተግባራዊ ይገብሮ ኣሎ ይብሃል።