ፕረዚደንት ዶክተር ሙላቱ፡ "ኣፍሪቃውያን፡ ቪዛ ክረኽቡ ምምልካት ኣየድልዮምን"

ፓስፖርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓበራዊ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን፡ ኣፈጻጽማ ሕሉፍ በጀት ዓመት (2010 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ከምኡ'ውን ናይዚ ሓድሽ ዓመተ በጀት ኣንፈት ትኹረት ሰሚዑ።

ነቲ ሓበራዊ ጉባኤ ዝኸፈቱ ፕረዚደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣፈጻምማ ብምቕራብ፡ መንግስቲ ዝሓዞም ኣንፈታት ትኹረት'ውን ገሊፆም።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዘረበኦም፤ ሕሉፍ በጀት ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈለየ መዘውር ለውጢ ዘእተወ ምንባሩ ተዛሪቦም።

"ተነጺሮም ዝነበሩ ዓበይቲ ማሕበረ ቑጠባዊ ጉዳያት ብምኽንያት እቲ ዝነበረ ሃገራዊ ዘይምርግጋእ፡ ክፍፀሙ ኣይከኣሉን" ኢሎም።

ብዙሕነት እተአንግድ ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ፡ ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ ኣብ ምሃብ ከምዘይተሰርሐን ዘይፍትሓውነት ከምዝነገሰን ኣሚኖም።

ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ኣብ ክንዲ እናገፍሑ እናጸበቡ ከምዝመጽኡ ብምሕባር፡ "ህዝቢ ትርጉም ዘለዎ ምንቅስቓስ ሲቪክ ማሕበራት ከይውንን ተገይሩ ጸኒሑ" ኢሎም።

ፕረዚደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ንምልዋጥ ዜጋታት ተሳተፍቲ ዝኾንሉ ባይታ ሕዚ ተፈጢሩ'ዩ" ዝበሉ ፕረዚደንት ዶክተር ሙላቱ፡ "ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ማእሰርቲ ምፍታሕ፣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍጣር ድማ ኣብ ደገ ዝነበሩ ሓይልታት ናብ ሃገር ክኣትው ንምግባር ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ምጽዳቑ ዓበይቲ ዓወታት ነይሮም" ክብሉ ከም ኣብነት ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ብደረጃ ዞባ ሰፋሕቲ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ለውጢታት ክመጽኡ፡ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሐ ብምግላጽ፡ ኤርትራ ምስ ሶማሊያን ጅቡትን ዝነበራ ጸገም ክፍታሕ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ጻዕሪ ልዑል ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።

Presentational white space

ኣብዚ በጀት ዓመት (2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ትኹረት ዝወሃቦም ጉዳያት እንታይ'ዮም?

  • ንደሕንነትን ሰላምን ዜጋታት ብምፍትታን ሕግን ስርዓትን ዘየኽብር ምንቅስቓስ ንምዕጋት ልዕልነት ሕጊ ምርግጋጽ
  • ዲሞክራሲያዊ ምህዳር (ባይታ) ንምስፋሕ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ክቕጽል ምግባር
  • ናጽነት ሚዲያን ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽን ምጥንኻር
  • ምምሕያሽ ሕጊ መረጻ ኣብ ሓጺር ግዘ ምዝዛም
  • ናጻ ዕዳጋ ምፍጣርን፡ ኣብ ምህዞን ን ቴክኖሎጅን ዝተደረኸ ስራሕ ምስራሕን
  • ዘተኣማምን ንግዲ ወጻኢ ምትዕርራይን፡ ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ብዝግባእ መገዲ ክዕወት ምግባርን
  • ዞባዊ ምትእስሳርን ውህደትን ምጥንኻር፣ ቱሪዝም ብፍላይ ድማ ኮንፈረንስ ቱሪዝምን ዋሕዚ በጻሕቲ ዓድን ምዕባይ
Presentational white space

ቪዛ ኣፍሪቃውያን

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝጉዓዙ ዜጋታት እታ ኣህጉር ዝረኽቡዎ ኣገልግሎት ቪዛ ዝቐለለ ክኸውን ቃል ኣትዩ ውሑዳት ሃገራት ግብራዊ ክገብራ ጀሚረን'የን።

ኢትዮጵያ ድማ እዚ መብጽዓ ንምግሃድ ከምእትሰርሕ ገሊጻ።

ፕሬዚደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣብ መግለጺኦም፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ዜጋታት ኣፍሪቃ ክረኽቡዎ ዝግባእ ቪዛ ኣቐዲሞም ምምልካት ከየድልዮም፡ ናብ ኢትዮጵያ እንትኣትው ክወሃቦም ክንገብር ኢና ኢሎም።

ዝርዝር ሃገራት

ከም ትልሚ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2018 ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ንዜጋታት እቲ ኣህጉር ቪዛ ዝሓትት መስርሐን ክፍሑቓ'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ክሳብ ሕዚ፡ ሲሸልስ ጥራይ'ያ ንኣፍሪቃውያንን ንዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ናጻ ጉዕዞ ቪዛ ትህብ ዘላ። ሩዋንዳ ድማ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር እንትበጽሑ ቪዛ ትህብ።

ኣብ ቀረባ ዝወጽአ ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘመላኽቶ፡ 22 ሚኢታዊት ኣፍሪቃውያን ጥራይ'ዮም ብዘይ ቪዛ ዝጉዓዙ።