ኢትዮጵያ፡ እንታይነት ናይ 'ዘይምክሳስ መሰል'

ወርቃዊ ሚዛን ፍትሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወርቃዊ ሚዛን ፍትሒ

'ናይ ዘይምክሳስ መሰል''፡ ኣብ ብዙሓት መዝገበ ቃላት ሕጊ ዝደጋገም ትርጉም፡ " ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ድማ ኣካል፡ ጥሕሰት ሕጊ ከምዝፈፀመ እናተፈለጠ፡ ብዝፈፀሞ ገበን ንከይክሰስ ዝግበረሉ ሕጋዊ ውሕስነት'' ምስ ዝብል ዝመሳሰል እዩ። እንታይ ማለት እዩ፡ ኣበይ'ከ ይሰርሕን ኣይሰርሕን?

ተጠቀምቲ እዚ ''ፍሉይ ውሕስነት'' ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ፣ ኣባላት ዲፕሎማሲ ማሕበረሰብን ኣካላት ዳይነትን እዮም።

እዚ መሰል ዘይምኽሳስ ዝወሃቦም ድማ፡ ነዞም ውልቀ ሰባት ወይ ድማ ኣካላት፡ ብምኽሳስ ወይ ናብ ፍርዲ ብምቕራብ ካብ ዝርከብ ረብሓ ንላዕሊ፡ ብዘይ ክስን ተሓታትነትን ብምሕላፍ ዝሳኻዕ ማሕበረሰባዊ ረብሓ ዕዙዝ እዩ ብምባል እዩ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ናይ ዘይምክሳስ መሰል፡ ብምልዓል እቲ ውልቀ ሰብ ወይ ኣካል ክሲ ክምስረተሉ ዝኽእል መንገዲ ኣሎ።

ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክን ክልላዊ ሕገ-መንግስታት እዚ መሰል እዚ ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ኣካላት ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ይርከብዎም።

ብዛዕባ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከም ኣብነት እንተርኢና፡ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓንቀፅ 55 (6) ናይ ዘይምክሳስ መሰልን እዚ መሰል ክለዓለሉ ዝኽእል ኣገባብ ደንጊጉ ይርከብ።

" ዝኾነ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ ከቢድ ገበን እንትፍፅም፡ ብቀጥታ እንተዘይተታሒዙ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት-ምኽሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣይውዕልን፤ ብገበን እውን ኣይኽሰስን" ይብል።

ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ቅድሚ ሕዚ ናይ ዘይምክሳስ መሰሎም ካብ ሞንጎ ዝተመንጠሉ ኣባላት ቤት-ምኽሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ታምራት ላይኔን ሚኒስትር ድኤታ ገንዘብን ኢኮኖሚን ነበር ኣይተ ኣለማየሁ ጉጆ ይፅርሑ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ዓብዲ ሞሓመድ ዑመርን ሽድሽተ ኣባላት ቤት ምኽሪ እቲ ክልልን፡ ብውሳነ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ እታ ክልል ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ብምልዓል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ኣብ ሕገ-መንግስቲ ክልል ሶማሌ፡ ዓንቀፅ 48 (6) ኣባላት ቤት-ምኽሪ እታ ክልል ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ዝምንጠለሉ መንገዲ ኣስፊሩ ይርከብ። እዚ ዓንቀፅ ተግባራዊ ከምዝተገብረ'ዩ ዝንገር።