ድልየት ግብጽን ውሳነ ኢትዮጵያን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ

ብሞንጎኝነት ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ንኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ንምስምማዕ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ፡ ውጽኢታዊ ከይኮነ ምስ ተረፈ እቲ ስሉሳዊ ዘተ ንዝሓለፉ 5 መዓልታት ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክካየድ ጸኒሑ።

እዚ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዘተኮረ ዘተ ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ንሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

ብሰኑይ፡ ደርቂ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ረብሓ ሰለስቲአን ሃገራት ከመይ'ዩ ክኸውን ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ ዝተዘራረባሉ፡ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ብሙሉእ ዓቕሚ እናተጠቐመት፡ ደርቂ እንተኣጋጠመ'ውን ሓላፍነት ሰለስቲአን ሃገራት እዩ ዝብል መርገጺ ከም ዝሓዘት፡ ሚኒስቴር ማይ መስኖን እታ ሃገር ኣረዲኡ።

ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፤ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግብጺ 'ነቓጽ' መርገጺ ስለ ዝሓዘት፡ እቲ ዝጀመርናዮ ዘተ ናብቲ ዝድለ ኣንፈት ክኸይድ ኣይካኣለን ኢሉ።

ግብጺ፡ ታሪኻዊ ተጠቃምነት ዝብል መትከል ሒዛ፡ ማይ ኣባይ ሙሉእ ንሙሉእ ንብሕታ ክትጥቀም እያ ትደሊ ክብል እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

"ዝተፈላለየ መገዲ ኣሊሾም እቲ ዘተ ክቋረጽ'ዮም ዝደልዩ። ንክንሰማማዕ እቲ ንሕና እንደልዮ ሃቡና እዮም ዝብሉ። እቲ ንሶም ዝደልዩዎ ኩሉ እንተዘይረኺቦም ድማ ኣይንሰማማዕን ይብሉ። ንሕና እንተዘይተሰማሚዕና ድማ ኣይትመልኡዎን ይብሉና ኣለው" ኢሉ።

ኣብቲ ስሉሳዊ ዘተ፡ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ዙርያ ምምሕዳር ምምላእን ምፍናውን ማይ ዝምልከት ሰነድ ኣቕሪባ እያ ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፡ ግብጺ ኣብቲ ዝቐረበ ሰነድ ዘተ ተኻይዱ ፍረ ከፍሪ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ እቲ ዘተ ምፍራስን ንኢትዮጵያ ምጽላምን ቐጺላትሉ ኣላ ክብል ከሲሱ።

"ዘተ ብባህሪኡ እንካን ሃባን እዩ። ንሕና ግን፡ ዋላ ሓደ ነገር ክህቡ ምስ ዘይደልዩ፣ ኩሉ ነገር ክወስዱ ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ኢና ንደራደር ዘለና። ከምዚ ምስ ዝበለ ኣካል ክትዛተ ዘጸግም'ዩ" ዝብል ኣቶ ገዱ፡ ብወገን ግብጺ ዝንጸባረቕ ዘሎ ጉዳይ "ስስዐ" እዩ ክብል ገሊጹዎ።

ኢትዮጵያ፡ ማይ ኣባይ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ክትጥቀም እምበር ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ክትጎድእ ድልየት የብላን ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፡ ግብጺ ግን ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክትፈጥር እያ ትጽዕር ዘላ ኢሉ።

"ዝተለመደ ኣቀራርባ'ዮም ሒዞም መጺኦም። ብሓደ ሸነኽ ምሳና ይዛተዩ፤ ብካልእ ሸነኽ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ኮይኖም እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክወስዱዎ ይጽዕሩ።

ሕጂ'ውን ሓደ እግሮም ኣብ ኒውዮርክ [ውድብ ሕቡራት ሃገራት] ሓደ እግሮም ድማ ኣብቲ እነካይዶ ዘለና ዘተ ገይሮም ቐጺሎምሉ ኣለው።"

ኣብዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሜህ ሹክሪ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ ለውጢ ከም ዘየምጽእን ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ እንከሎ ማይ ክትመልእ ከም ዝወሰነትን ብምግላጽ፡ እዚ መሰል ግብጺ ዝዳፋእ ስለ ዝኾነ ናብ ሕቡራት ሃገራት ክንከይድ ኢና ኢሉ ነይሩ።

ኣቶ ገዱ ነዚ መልሲ ክህብ እንከሎ፡ "ይውሰዱዎ። ናብ ዝደለዩዎ ቦታ ይኺዱ፣ ድላዮም'ውን ይበሉ።

ሽም ኢትዮጵኣ እናጥፍኡ ሓሓሊፉ'ውን የፈራርሑና። ምንጩ ሃገርና ዝኾነ ማይ፣ ኣብ ግዝኣትና ዝህነጽ ግድብን መሰል ተጠቃምነትናን ግን ኣሕሊፍና ኣይንህብን። ህዝቢ ግብጺ'ውን ነዚ ክፈልጥ ይግባእ" ኢሉ።

ግብጺ፡ እዚ ስሉሳዊ ዘተ ኣቋሪጻ እንተወጺኣ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኮፍ ኢለን ዝዛተያሉ ጉዳይ ክፈርስ'ዩ ማለት እዩ።

ኢትዮጵያ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ንዘተ እትቐርበሉ ጉዳይ የለን ክብል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊጹ።

ኣብቲ ብደረጃ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ከም ተዓዘብቲ ኮይኖም ይሳተፉ ኣለው።