እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ 'ምልማን ኣጽሊኡና ኣሎ'
ኢትዮጵያ፡ ልምዓት ከተረጋግጽን፡ ኣገልግሎት መብራህትን ንህዝባ ክትዕድልን ስለዘለዋ ንዓቢ ግድብ ሕዳሰ ብማይ ምምላእ ዘለዋ መደብ ክትቅጽሎ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰንኪ ምድንጓይ ህንጸት ናይቲ ግድብ ብዙሕ ገንዘባዊ ክሳራ ኣጋጢሙ ኢሉ።
እቲ ኣብ 2011 መሰረት ዝተነብረሉ ግድብ ምስ ተወደአ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ጸዓት ግድብ ('ሃይድሮኤለክትሪክ') ክኸውን'ዩ።
"ምልማን ኣጽሊኡና ኣሎ። ክንለምዕ ዘለና ድሌት ግን ንካልኦት ክንሃሲ ሃቐነ ኣለና ማለት ኣይኮነን" ከም ዝበለ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጠቒሱ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ግድብ፡ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ክፈጥር ተባሂሉ ዝተጀመረ ኣይኮነን።
እቲ ግድብ ብማይ ዝመልኣሉ ናይ ግዜ ገደብ ነተን ኣብ ታሕተዋይ ናይቲ ተፋሰስ ዘለዋ ሃገራት፡ ሱዳንን ግብጽን ከም ዝጸልወን ይፍለጥ።
ግብጺ፡ ክሳብ ስምምዕ ዝግበር ኢትዮጵያ ምምላእ ክትጅምር የብላን ብሃሊት'ያ።
እታ 90 ሚእታዊት ካብ ማይ ፈለግ ናይል እትረክብ ግብጺ፡ ነቲ ፕሮጀክት ናይ ህላወ ሕቶ ጌራ'ያ እትጥምቶ።
ይኹን እምበር፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይረኽቡ'ዩ ዝገልጽ።
"ምውዳእ ናይቲ ፕሮጀክት ካብ ምርግጋጽ መሰረታዊ መሰል ዝፍለ ኣይኮነን፡ ከምቲ 98 ሚእታዊት ህዝቢ ግብጺ ኤለክትሪክ ዝረክብ።"
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ብሞንጎኝነት መንግስቲ ኣመሪካ ዝካየድ ዝነበረ ስሉሳዊ ኣኼባ ምስሓባ ይዝከር።