እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ኣብ ማይ ኣባይ ንዘሎኒ መሰል ንምክልኻል ሓይልን ብቕዓትን ኣሎኒ ኢላ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹኩሪ፡ ትማሊ ኣብ ባይቶ ግብጺ ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ "ኢትዮጵያ 'ኦፕሬሽን' ትቕጽል ኣላ። ነቲ ትሰርሖ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሴ ብማይ ናይ ምምላእ መስርሕ ተቐባልነት የብሉን። እዚ ከኣ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝጥሕስን ንመጻኢ ዘይምርግጋእ ኣብ ምፍጣር ጽልዋ ክህልዎን'ዩ" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ "ማሕበረሰብ ዓለም ንኹለን ሃገራት ዘሰማምዕ ዘላቒ ፍታሕን ሓሳብን ኣብ ምምጻእ ግቡኡ ክገብር ንጽውዕ" ምባሉ ሮይተርስ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ሓቢሩ።
ኣልኣህራም ዝተባህለት ናይ ግብጺ ጋዜጣ ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ "ባንኪ ዓለም ሳልሳይ ኣካል ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ክፈትሕ ግብጺ ሓሳብ ከተቕርብ እያ" ኢሉ፡ ክብል ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ'ላ።
ናይ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ሚኒስተራት ማይ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መስከረም 23 ከምኡ እውን 24 ኣብ ጉዳይ ምልኣትን ፈሰስን ዓቢ ግድብ ዝገበርዎ ስሉሳዊ ዘተ፡ ግብጺ፡ ዓለምለኻውያን ሸምገልቲ ጣልቃ ኣትዩም ፍታሕ ክገብሩ ጻውዒት ምቕራባ ይዝከር።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ጣልቃ ሳልሳይ ኣካል፡ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተበጽሐ ኣወንታዊ ስምምዓት ዘፍርስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ መጋቢት 2017 ዝተፈራረመኦ ስምምዕ እውን ዘፍርስ ስለዝኾነ ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል ከምዘይትድግፍ ገሊጻ።
ጋዜጣ ኣልኣህራም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹኩሪ "ግብጺ ካብ ፈለግ ናይል እትረኽቦ ረብሓ ኣሕሊፋ ኣይክትህብን'ያ" ምባሉ ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ ኣላ።
ቀጺሉ፡ እቲ ሚኒስተር "ኢትዮጵያ 630 ሚልዮን ኵቢክ ሜትር ዝናብ ትረክብ'ያ። እዚ ነቶም ዘለዉዋ 10 ፈለጋት ከይሓወስካ'ዩ። ግብጺ ግን ብዋሕዲ ማይ ኣብ ጸገም እትርከብ ሃገር እያ። ስለዚ፡ ንግብጺ፡ ጉዳይ ፈለግ ናይል ናይ ሞትን ስረትን ጉዳይ እዩ" ምባሉ እታ ጋዜጣ ገሊጻ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹኩሪ፡ ሱዳን ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ምስ ግብጺ ክትተሓባበር ጸዊዑ ኣሎ። "የሕዋት ህዝብታት ስለዝኾንና ጥራይ ዘይኮነ፡ ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሴ ንግብጺ ጥራይ ዘይኮነ ንሱዳን እውን ስለዝሃሲ'ዩ" ድማ ኢሉ።
ባይቶ ግብጺ እውን ንህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሴ ዝከታተል ፍሉይ ኮሚቴ ምርቁሑ ተሓቢሩ። እቲ ኮሚቴ፡ ግብጺ ካብ ፈለግ ኣባይ [ኒል] እትረኽቦ ረብሓታት ንምሕላው ክግበር ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ነገራት ከጽንዕ'ዩ ክትብል ጋዜጣ ኣልኣህራም ሓቢራ።
ኣባላት ባይቶ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሴ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘኸትሎ ጸገም ኣብ ምእላይ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ግቡኡ ኣይገበረን ብምባል ከምዝነቐፍዎ እውን እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓቢ ግድብ ብዝምልከት፡ ኣብ ሞንጎ ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተገበረ ስሉሳዊ ዘተ ዋላ ሓንቲ ፍረ ከምዘይተረኸቦ ሚኒስተር ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹኩሪ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።