ኣመሪካ፡ ብሓደ ተማሂረን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝሰርሓ ኣዶን ጓልን ዶኳትር

መበቆለንን ትውልደንን ጋና ዝኾና እዘን ኣደን ጓልን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ተምሂረን፤ ብሓደ ተመሪቐን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ተቖጺረን። በዚ ድማ ፈላሞት ኮይነን ኣለዋ።

እተን ኣደን ጓልን፡ ነዚ ናይ ፈላማይ ታሪክ ዝሰርሓ፡ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ሊዊዝያና ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት እዩ።

እታ ሲንቲያ ኩጂ ዝትበሃል ኣደ፡ ኣብ ጋና ከተማ ኬያንሲ ተወሊዳ ናብ ኣመሪካ ዝኸደት እያ።

ምስ በኹሪ ጓላ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ኣጽኒዓ ድማ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ተመሪቐን፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆስፒታል ተቖጺረን ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን፡ ንምሉእ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንኣመሪካ ዘርዓደ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ግንባር ኮይኖም ይቃለሱ ካብ ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ፡ ንሳተን ይርከበኦም።

እታ ኣደ፡ ዝፈጠረላ ናይ ሓጎስ ስምዒት ክትገልጽ እንከላ "ሕልምኻ ተጋሂዱ ከም ምርኣይ እዩ" ኢላ።

ጓላ፡ ጃስሚን ድማ፡ ናይ ክልቲአና ዓወት ንካልኦት መምሃሪ ዝኸውን እዩ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ምስ ኣደይ ኮይንና ኣብዚ ደረጃ ምብጻሕና፡ ንካልኦት ብፍላይ ድማ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምንቕቓሕ ዝፈጥረለን እዩ ዝመስለኒ። ስለዝኾነ ድማ ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ ኣሎ" ኢላ።

ኣብ ትምህርቲ ኮነ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፡ ምስ ኣዲኣ ብሓደ ክትጓዓዝ ምኽኣላ ሕጉስቲ ምዃና ወሲኻ ትዛረብ፡ ጃስሚን።

እዘን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን፡ ብሓደ ተማሂረን ኣብ ሓደ ትካል ተቖጺረን ምስረሐን ዝሰምዑ ሰባት ገሪምዎም ኣሎ።