ሚኬላ ኮኤል፡ "ሕዚ'ውን ዝዕመጽ ዘለኹ መሲሉ እዩ ዝስመዐኒ"

ቴሪና አራቤላ
መግለጺ ስእሊ, ቀንዲ ተዋሳኢት ቴሪና አራቤላ

ሚኬላ ኮኤል ተዋሳኢት፣ ጸሓፊትን ኣላይት ፊልምን እያ። 'ቺዊንግ ገም' ዝብል ተኸታታሊ ፊልማ፡ ዓብዪ ኣድናቖት ረኺባትሉ።

ካልኣይ ክፋል ናይቲ ፊልም ኣብ እትጽሕፈሉ እዋን ግን ሃንደብት ከምዚ ኣጋጢሙዋ።

ሓደ መዓልቲ ምጽሓፍ ኣቀሪጻ፡ ምስ ካልኣይቲ መሓዛኣ ኾይነን ሓደ ክልተ ክብላ ይወጽኣ።

ካብኡ ብዙሕ ነገር ተፈጢሩ።

ብጽባሒትኡ ንጎሆ ካብ ድቃሳ ክትትስእ ከላ፡ ገለ ነገራት ከም ሕልሚ ኾይኖም ትዝ ክብልዋ ጀሚሮም።

ኣብቲ ኣልኮላዊ መስተ ገለ ከይተሓወሶ ኣይተርፍን። ተዓሚጻ ሓዲራ።

እቲ ኣብ ህይወታ ጸሊም በሰላ ዝገደፈላ ጸልማት ኣጋጣሚ፡ 'አይ ሜይ ዲስትሮይ ዩ' [ከጥፈአካ እየ] ብዝብል ርእሲ ጽሒፋቶ።

ካብ መጽሓፍ ሓሊፋ ድማ፡ ናብ ፊልሚ ቀይራቶ። ባዕላ ድማ ተዋሲኣትሉ። ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ኾይና ባዕላ እያ ኣልያቶ።

ኣብ ቢቢሲ ዝቐረበ ክፍሊ ግና፡ በይና ኾይና እትዋሰአሉ ጥራይ እዩ።

"ንምጽሓፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ወሲዱለይ። ርግጽ፡ ኣብቲ እዋን ካልእ ተወሳኺ ስራሕ'ውን የሳልጥ እየ ነይረ" ክትብል ንራድዮ ኒውስ ቢት ተዛሪባ።

"ብጣዕሚ በዳሂ ኩነታት እዩ። እቲ ዓመጽ ሕዚ'ውን ዝፍጸመኒ ዘሎ መሲሉ እዩ ዝስመዓኒ። ይኹን'ምበር ምጽሓፈይ ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ሂቡኒ እዩ" ትብል።

'ሬፕ ክራይስስ' ዝተብሃለ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 16 ካብ ዝኾኑ ሰባት፡ 20 ሚኢታዊ ደቂኣንስትዮ ከምኡ ድማ 4 ሚኢታዊ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሖም።

እዚ ሓበሬታ፡ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ዘሎ ኩነታት እዩ ዝምልከት።

ቢቢሲ ብዝገበሮ ናይ መርመራ ጸብጻብ፡ ኣብ 2015ን 2019ን፡ 2600 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝሰትዩዎ፡ ዘደንዝዝ ነገር ተገይሩሎም ከምዝተደፈሩ እዩ ዘመልክት።

ካብዚኦም ውሽጢ፡ 72 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዚ'ውን ኣብ እንግሊዝን ዌልስን እዩ።

ሚኬላ ኮኤል
መግለጺ ስእሊ, ሚኬላ ኮኤል፡ በዓልቲ ዛንታ

እታ በዓልቲ ዛንታ፤ ሚኬላ

ኣብቲ ፊልሚ ናይ ሚኬላ ገጸ ባህሪ ኾይና እትዋሳእ ኣራቤላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ኮይና እያ ትመላለስ።

ንባዕላ ካብቲ ዝበጽሓ ሓደጋ ንምምላጥ፡ ትዝቅርን ትስሕቕን እያ። እታ ገጸ ባህሪ፡ ናይ ሚኬላ ሓቀኛ ነጸብራቕ እያ።

"ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ኩነታት እንተጋጥሙናን፤ ኣብ ኣእምሮና እናተመላለሱ እንተጸግሙልናን። ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክንሓልፎም ኢና ንጽዕር። ኩሉ ግዜ ድማ ብምሕዛን ጥራይ ክኸውን የብሉን" ትብል።

"ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ ኣብ ርእስና ዝበጽሐና ክንርስዖ'ውን ንደሊ። ሰባት ክኣምኑና ንልምኖም ኣይኮንናን ዘለና። ነጊርናዮም ግን ክኣምኑና ንደሊ" ኢላ።

ኣብቲ ፊልሚ ዘላ ኣራቤላ፡ ብሓገዝ መሓዙታ ኣበይ ከምዝተደፈረትን፡ መን ከምዝደፈራን ትፈልጥ እያ።

እተን ካልኦት ኣዕርኽታ፡ ኣብ ጉዳይ ፍቕራዊ ርክብ ዘለዎም ድሌታት ዝተሓላለኸ እዩ።

"ብሓፈሻ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ድሌት ምሕታት ከምዘድሊ እዩ ዘረድእ። ድሌትና በሰባት ክንምንጠል እንከለና ዝፍጠር ስምዒት ድማ የርኢ" ትብል ሚኬላ።

ኣብ ዝበጽሓና ነገር ንባዕልና ተሓተትቲ ክንገብር የብልናን " እትብል ሚኬላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘድልየን ኣጋጣሚ ድማ ዓው ኢለን ድምጸን ከስመዓ ትምዕድ።

እቲ ፊልም፡ ብዙሓት ክመሃርሉ ኣተስፍያ ኣላ።

ኣራቤላ፡ ንሚኬላ ወኪላ እትዋሳእ

እታ ንሚኬላ ወኪላ ኣብቲ ፊልሚ እትዋስእ ንእስቲ ጓል 30 ዓመት ኣራቤላ ድማ፡ ብትዊተር ኣቢላ ዓብዪ ተፈላጥነት ረኺባ ኣላ።

መጽሓፍ ክተሕትም ድማ ተስማሚዓ ኣላ። እንተኾነ ድንግርግር ኢሉዋ እዩ ዘሎ።

"ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሰባት ከመይ ከምዝመቸዎምን ከምዝተሳኸዐሎምን ከርእዩ እዮም ዝፍትኑ" ትብል ኣራቤላ።

ኣብ ሓቃዊ ዓለም፡ ኣብ ደድሕሪ እቲ ላፕቶፕን ሞባይልን ዘለው ሰባት ግን ህይወቶም ሕልኽልኽ ዝበለ ከምዝኾነ ወሲኻ ትዛረብ።

እቲ ንሳ እትዋሰአሉ ፊልሚ ዓብዪ ኣድናቖት ረኺቡ እዩ። እታ ተዋሳኢት፡ ካብቲ ዝተለመደ ዘሰልቹ መገዲ ውጽእ ኢላ እያ ሰሪሓቶ።

----

"ዝኾነ ናይ ኣነባብራ መይላ፡ ናይ ባዐዕሉ ጥቕምን ጉድኣትን ኣለዎ። እቶም ገጸ ባህርያት ግን፡ ደፋራትን ተባዓትን ኮይኖም፡ ኣብ ናይ ባዕሎም ዓለም ዝነብሩ ተገይሮም እዮም ተስኢሎም። ኣብ መንነቶም ረጊጾም፡ ብነጻነት እዮም ዝደለዩዎ ዝገብሩ" ኢላ ትገልጾም ሚኬላ።

"ዝኾነ ይኹን፡ ፍርሒ ህይወተይ ክቆጻጸሮ ኣይደልን። ኣብ'ዚ ናተይ ዕድመ ዝርከብ ወለዶ ዘመሳስለና ሓደ ነገር፡ ክንፈርሕን ክንሽቑረርን ዘይምምራጽና እዩ" ትብል።