ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ምስ ኣስከሬን ምትንኻፍ ነይርዎም ዝተባሃሉ 45 ሰባት ናብ መወሸቢ ኣትዮም

ምስ ኣስከሬን ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ምንኽኻእ ነይርዎም ዝተባሀሉ 45 ሰባት ናብ መወሸቢ ኣትዮም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓደጋ ምስ ናይ ዝሞተ ውልቀሰብ ኣስከሬን ምትንኻፍ ነይርዎም ዝተበሃሉ 45 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ስለዝተጠርጠሩ ናብ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ተገይሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ እንሳሮ ሲስተር በቀለች ሞገስ ከምዝሓበረቶ፡ መዋቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ኮይኑ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ክሕከም ምስ ጸንሐ እዩ ህይወቱ ዝሓለፈት።

ቅድሚ ምሟቱ ንምርመራ ኮሮናቫይረስ ቅምሶ ዝተወሰዶ እዚ ውልቀሰብ፡ ገና ውጽኢቱ ከይተፈለጠ ቤተሰቡ ንኣስከሬኑ ናብ ወረዳ እንሳሮ ይወስድዎ።ውጽኢት ምርመርኡ ምስተረኣየ ድማ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ይፍለጥ።

ሽዑ መምርሒ ጥዕና ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝገበሮ ክትትል ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ስርዓተ ቀብሩ ከምዝተፈጸመ ምርግጋጽ ከምዝተኽኣለ ሲስተር በቀለች ተዛሪባ።በዚ ምኽንያት ከኣ ምስ ኣስከሬን መዋቲ ምትንኻፍ ነይረዎም ብዝብል ዝተጠርጠሩ 45 ሰባት ናብ ግዚያዊ መወሸቢ ክኣትዉ ተገይሩ።

ጸኒሑ'ውን ካብኦም እቶም 19 ሰባት ኣብ ደብረ ብርሃን ናብ ዝርከብ መወሸቢ ከምዝተወሰዱ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ እንሳሮ ሲስተር በቀለች ሞገስ ኣፍሊጣ።