እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኒውዮርክ ንግዳያት ኮሮናቫይረስ ጃምላዊ መቓብር ትጥቀም ኣላ
እታ ግዝኣት ኣሜሪካ ልዕሊ እተን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣውሮጳ ጣልያንን ስፐይንን ኣሃዝ ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ።
ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ብምምጽኡ ሳናዱቕ ሬሳ ናብ ሓደ ዓብዪ ጉድጓድ እናኣተዉ ዘርእዩ ስእልታት ክዝርግሑ ጀሚሮም።
ካብ ካልእ ግዘ ብዝተፈለየ፡ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ 799 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም። እዚ ድማ ቁፅሪ መወትቲ ፡ ናብ ልዕሊ 7000 ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።
ኣብ ስፔን 153,000 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትልከፉ፡ ኣብጣልያን ድማ፡ 143,000 ሰባት እዮም ብኮቪድ -19 ተታሒዞም።
ኣብ ኒውዮርክ፡ ልዕሊ እዘን ሃገራት፡ ኣስታት 160,000 ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ኣብዛ ከተማ በዚ ለበዳ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ እቲ ኣብ ጃምላዊ መቓብራት ሓመድ ድበ ዝለስ ዘሎ ሳናዱቕ ሬሳታት ብምርኣይ ምግንዛብ ይከኣል።