እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓያል ናዕቢ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ
ጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ብፖሊስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስሞተ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ሓያል ናዕቢ እዩ ተወሊዑ።
ተቓውመኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ምስ ፖሊስ ይጓነጹ ኣለዉ። ንብረትን'ውን ክዝመትን ክባራዕን ተራእዩ እዩ።
ፖሊስ ድማ፡ መካይኖም ብሰልፈኛታት ክነድዳ ምስጀመራ፡ ዘንብዕ ትክን ጎማ ጥይትን ተጠቒሞም ነቲ ናዕቢ ክቆጻጸርዎ ፈቲኖም እዮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ጎንጺ "ሰረቕትን ስርዓት ኣልቦታትን" እዮም ኣለዓዒሎምዎ ክብል ወቒሱ።
ጆርጅ ፍሎይድ ብሰኑይ፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣእቲውዎ እንተሎ እዩ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ሞይቱ።
ንኽሳድ እቲ መዋቲ ዝረገጸ ወዲ 44 ዓመት ጻዕዳ ፖሊስ፡ ብቕትለት ዝተኸሰሰ ክኸውን ከሎ፡ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሕ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ድሬክ ቸውቪን ዝበሃል ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንብዙሕ ደቓይቕ ረጊጽዎ ይረኣይ።
ፍሎይድ ድማ፡ ክትንፍስ ኣይከኣልኩን እናበለ ደጋጊሙ ክዛረብ ይስማዕ።
እቲ ተቓውሞታት እንታይ ይመስል?
ብውሕዱ ኣብ 30 ከተማታት ኣመሪካ፡ ዓበይቲ ተቓውሞታት ተኻይዱ።
ኣብ ከተማ ቺካጎ፡ ሰልፈኛታት ናብ ፖሊስ ኣእማን ደርብዮም። ፖሊስ ድማ ብግድኡ ዘንብዕ ትኪ ተኲሶም። ብቐዳም ብዙሓት ሰባት እዮም ተኣሲሮም።
ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ድማ፡ ሰልፈኛታት ንመካይን ፖሊስ ላምባ ዝመልአ ጠራሙዝ ደርብዮም ምስ ኣባርዑወን፡ ፖሊስ ናይ ጎማ ጥይት ብምትኳስ፡ ነቶም ናዕበኛታት ክብትንዎም ፈቲኖም።
ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ብዙሕ ህዝቢ ንኻልኣይ መዓልቱ ተኣኪቡ ተቓውሞታቱ ገሊጹ።
ኣብ ኣትላንታን ጆርጅያን፡ ብዓርቢ ህንጻታት ዓንዮም።
ኣብ ከተማታት ሚኒያፖሰስ፣ ኒውዮርክ፣ ማያሚ፣ ኣትላንታን ፍላደልፍያን ድማ ኣሸሓት ሰባት ኣብ ጽርግያታት ጉዕዞ ብምግባር ተቓውሞታቶም ገሊጾም።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሕዚ ኣብ ከተማታት ሚኒያፖሊስ፣ ኣትላንታ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ ፍላደልፍያ፣ ፖርትላንድ ሉሰስቪልን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ'ሎ።
እንተኾነ፡ ሰልፈኛታት ነቲ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ይጥሕስዎ እዮም ዘለዉ። ብዙሕ ዕንወትን ዘመተን ከኣ የጋጥም ኣሎ።