እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ንነበር ሓላፊ ስለያኣ ትሃድኖ ኣላ
ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ፡ ዓብዪ በዓል ስልጣን ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ እዩ።
ሰኣድ ብፍላይ ድማ ምስ ትካል ስለያ ብሪጣንያ 'ኤምኣይ 6' ብምትሕብባር፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍሻል እዩ ዝፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ካብ ስዑዲ ሃዲሙ ኣብ ካናዳ እዩ ተዓቑቡ ዘሎ። ልዑልን ወራሲ ዓራትን ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሰልማን ግን ነዚ ነበር ሓላፊ ይሃድኖ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ ንውሕስንኡ ብምስጋእ ናብ ካናዳ ሃዲሙ።
ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን ግን፡ ንዕኡ ናብ ዓዲ ከምጽእ ብዙሕ ከም ዝጸዓረ እዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ እዋን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ነበር ሓላፊ ስለያ ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ደቁ፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር "ተጨውዮም" ምህላዎም ስድርኡ ገሊጾም።
በኹሪ ወዱ ካሊድ ኣልጃብሪ ንቢቢሲ ከም ዝተዛረቦ፡ ኦማር ዝበሃል ሓዉን ሳራ እትበሃል ሓፍቱን ንምእሳር፡ 50 ኣባላት ጸጥታ ስዑዲ ብ 20 መኻይን ናብ ገዝኦም ከም ዝመጹ ገሊጹ።
ኣብ ሪያድ ካብ ዝርከብ ገዝኦም፡ ምስልታት ዝሓዙ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ተነቒሎም ከም ዝተወሰዱ፣ ሓያል ፈተሻ ከም ዝተገበረን፡ 20 ከምኡ ድማ 21 ዝዕድሚኦም ሓዉን ሓፍቱን'ውን ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወሰዱን ተዛሪቡ።
ቦኽሪ ውላድ ናይቲ ሓላፊ ነበር፡ ምስ ኣቡኡ ዑቕባ ሓቲቱ ካብ ዝቕመጠላ ሃገረ ካናዳ ኮይኑ እዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ዘሎ።
እዚ ኹሉ ተግባራት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡኡ ጸቕጢ ንምፍጣር ከም ዝኾነ ይገልጽ። ወሲኹ፡ ሓዉን ሓፍቱን ብህይወት ምህላዎም እኳ ኣይፈልጥን ኢሉ።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ስዑዲ መልሲ ንምርካብ እኳ እንተጸዓረ፡ ኣይሰመረሉን።
ሰኣድ ኣልጃብሪ መን'ዩ?
ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ኣብ ትካል ስለያ የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኣል-ቃዒዳ ንምንብርካኽ ወሳኒ ግደ ከም ዝተጻወተ ይዝረበሉ።
ብፍላይ ድማ ምስ ትካላት ስለያ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮ ይግለጽ።
ኣብ 2010 ንሱ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣውሮጳ ክፍጸም ንዝተወጠነ ከቢድ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘፍሸለ ምንባሩ ይንገረሉ።
ኣብ የመን ዝነበረ ክንፊ ኣል-ቃዒዳ፡ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ቦምባታት ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ከም ዝጸዓነን፡ እታ ነፋሪት ድማ ናብ ቺካጎ ከም ዝተበገሰት፡ እቲ ቦምባታት ኣብ ውሽጢ መሕተሚ ማሽን ተሓቢኡ ምህላዉን ዝርዝር ሓበሬታ ን 'ኤምኣይ 6' ዘቐበለ ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ምንባሩ ሓደ ናይ ብሪጣንያ በዓል ሞያ ጸጥታ ይምስክር።
እቲ ብነፋሪት ዝተጽዓነ ቦምባታት ናብ ቺካጎ ኣትዩ እንተዝነብር፡ ህይወት ኣማኢት ኣመሪካውያን ከጥፍእ ነይሩ እዩ ይብል እዚ በዓል ሞያ ድሕነት።
ኣልጀብሪ ብዙሕ ዘይዛረብን ህዱእን ሰብ ኮይኑ፡ ካብ ዩንቨርሲቲ ኤደንበርግ፡ ብ'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ዶክቲሬት ዲግሪ ኣለዎ።
ድሕሪ ትምህርቱ፡ ናብ ስዑዲ ተመሊሱ፡ ንትካል ስለያ ስዑዲ ዘበናዊ ኣብ ምግባር ከም ዝሰርሐ ይግለጽ።
"ቅድሚኡ፡ ስዑዳውያን ናይ ድሕነት ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ድሑር ብዝኾነ መገዲ ንሰባት እናሳቐኻ ክዛረቡ ብምግባር እዩ ነይሩ። ንሱ ግን ነዚ ኩነታት ቀይርዎ እዩ። ሓበሬታ ብኮምፒዩተር እናጨወኻ ዘበናዊ ናይ ስለላ ስራሕ ምስራሕ ንስዑዲ ዘላለየ ሰብ እዩ ነይሩ" ይብል ሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ በዓል ሞያ ድሕነት።
ኣብ 2015፡ ንጉስ ዓብደላ ምስ ሞተን ሓዉ ሰልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ንግስና ምስ ጨበጠን፡ ንወዱ ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ገይሩ ምስ ሾሞን ግን ነገራት ክቀያየሩ ጀሚሮም።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ነዚ መዝነት ኣይበቅዕን ነይሩ እዩ ዝበሃል።
ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን፡ ሃንደበት ንስዑዲ ኣብ ኩናት የመን ክትሽመም ዘይብሱል ውሳነ ወሲኑ ተባሂሉ ይንቀፍ። እዚ ክኸውን የብሉን ኢሎም ካብ ዝተኻትዑን ሰማዒ ካብ ዝሰኣኑን ሰባት ድማ፡ ዶክተር ኣልጀብሪ ሓደ ነይሩ።
ስዑዲ፡ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ኩናት የመን ኣትያ መዋጽኦ ጠፊእዋ ከም ዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ኮይኖም ንመንግስቲ እታ ሃገር ንዝነቕፉ ሰባት ከም ዝሃድን እዩ ዝግለጽ። ኣብ ቱርኪ ዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ከም ኣብነት ክጥቀስን ብዙሕ ከዘራርብን ዝጸንሐ እዩ።
ዶክተር ኣልጀብሪ ብምዕራባውያን ንዘለዎ ተቐባልነት ተጠቒሙ ኣብ ስልጣነይ ጸገም ክፈጥረለይ እዩ ብዝብል፡ ልኡል ቢን ሳልማን ክሰግእ ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ነዚ ድማ እዩ፡ ንደቁ ብምጭዋይ ናብ ዓዲ ንክምለስ ከገድዶ ደልዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ።