ቅድሚ 32 ዓመት ኣብ ሆቴል ዝተጨወየ ወዶም ዝረኸቡ ወለዲ

ኣብ 1988 ኣብ ሓደ ሆቴል ወዶም ወዶም ዝተጨወዮም ወለዲ፡ ድሕሪ 32 ዓመታት ደጊሞም ክሓቑፍዎ በቒዖም ኣለው።

ኣብቲ እዋን፡ ወዲ ክልተ ዓመት ዝነበረ ማኦ ዪን፡ ኣቦኡ ካብ መዋእለ ህጻናት ናብ ገዛ እናወሰዶ፡ ማይ ክዕድገሉ ኢሉ ምስ ኣላገሰ እዩ ተሰሪቑ።

ኣዲኡ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስእሊ ወዳ ዘለዎ 'ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ' ዝብል ወረቓቕቲ ክትዝርግሕ ከላ ወለዱ ኣብ መላእ እታ ሃገር እዮም ኣሊሾምዎ።

እታ ስድራ፡ ብሰኑይ ፖሊስ ኣብ ዝህቦ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ዳግም ተራኺባ።

ሕጂ ወዲ 34 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ማኦ ዪን ምስ ወለዱ ግዜ ከሕልፍ ከም ዝደልይ ተዛሪቡ።

ኣዲኡ ሊ ጂንዚ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ነቶም ዝሓገዙና ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከመስግን እደልይ" ኢላ።

ማኦ ዪን እንታይ'ዩ ኣጋጢምዎ?

ማኦ 23 ለካቲት 1986 እዩ ተወሊዱ። ኣዲኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምስ ሓደ ማእከን ዜና ናይ ቻይና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ "በሊሕ፡ ምጭውን ጥዑይን" ቆልዓ ምንባሩ ተዛሪባ።

ኣብ ለካቲት 17: 1988፡ ኣቦኡ ማኦ ዜንጂን፡ ኣብ ከተማ ሺኣን ካብ ዝርከብ መዋእለ ህጻናት ናብ ገዛ ይወስዶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ቆልዓ ማይ ከም ዝጸምዐ ንኣቦኡ ይነግር።

ኣቦ ኣብ መእተዊ ናይ ሓደ ሆቴል ንወዱ ዝኸውን ማይ እናኣዳለወ፡ ንወዱ መንዚዖም መሲዶምዎ።

ወለዱ ኣብ ከተማ ሺኣንን ከባቢኣን ኣዳልዩና ክብሉ ለጢፎም፡ ኣዲኡ ሊ፡ ወዳ ንምእላሽ ክትብል ስርሓ ብምቁራጽ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስእሉ ዘለዎ ወረቓቕቲ ናብ ልዕሊ 10 ከባቢታት ዘርግሐት፤ ኩሉ ግና ተስፋ ኣይተረኽቦን።

ኣብ ዝተፈላለየ መደብራት ቴለቪዥን ብምቕራብ'ውን ሓገዝ ሓተተት።

ኣብ 2007 ድማ ሊ፡ ምስ ሓደ ግብረሰናይ ጉጅለ ብምጥርናፍ፡ ደቆም ዝተሰረቕዎም ቆልዑ ኣብ ምሕጋዝ ክትሰርሕ ጀመረት።

ማኦ ዪን ብኸመይ ተረኺቡ?

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፖሊስ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ዞባ ሲቹዋን ዝነብር፡ ዘይወለዶ ቆልዓ ዘዕብይ ሰብኣይ ሓበሬታ በጽሖም። ሲቹዋን ካብ ከተማ ሺኣን ከባቢ 1,000 ኪሜ ርሕቐት እያ እትርከብ።

ፖሊስ መርመራታቱ ምስ ቐጸለ፡ እቲ ሰብኣይ ዘዕብዮ ዘሎ ወዲ ዕድሚኡ 34 ከም ዝኾነ ምስ ኣረጋገጸ፡ ዝተኻየ ናይ ዲኤንኤ መርመራ እቲ ወዲ፡ ካብ ማኦ ዜንጂን ሊ ጂንዚን ዝተወለደ ማኦ ዪን ምዃኑ ተፈለጠ።

ስሙ ብ ጉ ኒንግኒንግ ተቐዪሩ ዝነበረ ማኦ ዪን: ኣብዚ እዋን ገዛውቲ ናይ ምምልኻእ ዋኒን ኣለዎ። ንሱ ብዛዕባ መጻኢ "ርግጸኛ" ከም ዘይኮነ እኳ እንተተዛረበ፡ ምስ ወለዱ ግዜ ከሕልፍ ምዃኑ ግና ኣፍሊጡ።

ሊ: ብ 6000 ዩዋን (840 ዶላር) ውላድ ንዘይነበሮም ተጻመድቲ ከም ዝተሸጠ ፖሊስ ሓቢሩ።

ብ10 ግንቦት፡ ኣብ መዓልቲ ኣዴታት ቻይና: እቲ ዜና ዝተሓበራ ሊ፡ "እዚ ንዓይ እቲ ዝዓበየ ህያብ እዩ" ኢላ።

ብዛዕባ እቲ ናይ 1988 ፍጻመ መርመራታቱ ጌና ይቕጽል ከም ዘሎ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ብዛዕባ እቶም ንማኦ ዘዕበይዎ ስድራ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ ቻይና፡ ቆልዑ ምጭዋይን ምስግጋርን ኣሸጋሪ ገበን ካብ ዝኸውን ዓሰርተታት ዓመታት ተቖጺሮም ኣለው።