ወዲ ትኹል “ንሕና ጎምበል ኢና ኢልናያ ፈጨው ግን ስዒራ ኮኮይን’ውን ትብሃል ነይራ’ያ”

ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል

ምንጪ ስእሊ, Tekle kiflemariam

መግለጺ ስእሊ, ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል

ስነ ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል) ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ እትርከብ ትኹል እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ። ንዕድመ ትምህርቲ ምስ በጽሐ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ደቀምሓረ ክሳብ ሻዱሻይ ክፍሊ ተማሂሩ ኣብ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ ተጋዳላይ እዩ።

ካብ 1977 ክሳብ 1983 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምስ ምቛም ባህሊ ውድብ ኣብ 1983 ካብ ብርጌድ ኣርባዕተ ናብ ባህሊ ውድብ ተሳሒቡ።

ቅድሚ ናብ ባህሊ ውድብ ምስሓቡ ኣብ ባህሊ ውድብ እንከሎን ድሕሪ ናጽነትን ድማ ልዕሊ 150 ዝኸውን ደርፍታት ኣፍሪዩ'ሎ።

እዚ ስሙይ ድምጻዊ፡ ይክኣሎ፤ ለሚን-ለሚነይ፤ ባጽዕ-ስየ፤ ጎምበል፤ እምባ ደንደን፤ ሳሊና፡ ፈጨውን ካልእን ብዙሕ ኣብ ልቢ ሰማዒ ዝሓደረ ነባሪ ደርፍታት ኣፍርዩ እዩ።

ወዲ ትኹል፡ 'ተራ ስነ ጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ' ኣብ ዝብል ዛዕባ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እነሆ።

Presentational grey line

ተኽለ ክፍለማርያም ምስ ክራርካ ዲኻ ናብ ሜዳ ወጺኻ? ንስነ-ጥበብ መዓስ ኢኻ ጀሚርካዮ?

ወዲ ትኹል፡ ዋላ እኳ እቲ ዝበዝሐ ክእለት ናይ ክራር ኣብ ሜዳ እንተ ኣማዕበልኩዎ፡ ኣብ ደቀምሓረ፡ ምስ መምህር ተባኢሰ፡ ካብ ትምህርቲ ምስ ተሰጎግኩ ኣቦይ፡ ኣዝዩ ሓሪቁ ሓላዊ ጀርዲን ወይኒ ገይሩኒ (ሰሓቕ)።

ኣብ 1975-76 ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ናብ ከባቢ ደቀምሓረ ይዛወሩ ስለዝነበሩ፡ ምስ ህዝባዊ ሓይልታተ ተወዲበ መልእኽትታት ከበጻጽሕ ጀሚረ።

ኣብቲ ጀርዲን ወይኒ እናሓለኹ፡ ስውእ ተስፋኣለም ኣብርሃ ምሳይ ነይሩ።ንሱ'ዩ ክራር ኣላሚዱኒ።እምበር እቲ ዝዓበኽሉ ከባቢናስ ናይ ጭራ ዋጣን እምብልታን እዩ። ኣነ እየ ነዛ ክራር ደፊረ ሒዘያ።

ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፍካ'ኸ? መዓስ ኢኻ ደርፊ ክተደርፍ ጀሚርካ?

ወዲ ትኹል፡ በዓል ቃሩራ፡ ከረን ነጻ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ እዋን (1977)፡ ኣነ ኣብ ኢማህሚመት ኣብ ታዕሊም እየ ነይረ።

ድሕሪ ታዕሊም ናብ ብርጌድ ኣርባዕተ ተመዲበ፡ ኣይደንጎናን ናብ ከበሳ ኢና መጺእና። ቅድሚ ናብ ናይ ባጽዕ መጥቃዕቲ ምኻድና ድማ ኣብ ሓማሴን ኣብ ከባቢ ካርነሽም ነቲ ካብ ጸሎትን ኣስመራን ዝብገስ ዝነበረ ሰራዊት ንዓግት ነይርና። ብሓጺሩ ክሳብ 1983 ድማ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እየ ነይረ።

ኣብ ኩርባ እምበይቶ ክልተ ታንክታት ጸላኢ ምስ ተቓጸላ 'ሓፋሽ እንታይ በለ፡ ኣብቲ ኩርባ እምበይቶ ዶሽካ ምስ ተተኸለ" ትብል ደርፊ ደሪፈ። ቁሩብ ጸኒሐ ከኣ 'ኣደይ ተበጊሳ ነሕዋተይ ሒዛቶም ከበሳ ክበጽሑ ኣየር ደብዲባቶም' ትብል ደርፊ እውን ወሲኸ።

ኣብ መጀመርታ እዚታት እየ ደሪፈ።

ኣብ ከበሳ እንከለና፡ ኣብ ሓይሊ ሳልሕ ማንጁስ፡ ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣበይቶ'የ ነይረ። ብጸሎት፤ ዓዲ ሃከፋን ዓዲ ጓዕዳድ ዝነበሩ ብጾታና ከቢድ ኵናት የካየዱ ነይሮም። ህዝቢ ድማ ዳርጋ ማዕረ እቲ ሰራዊት ተሰሊፉ፡ ጠያይት ኣብ ምቅብባልን ውጉኣት ኣብ ምውጻእን ይሳተፍ ነይሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለና፡ ሓይልታትና ንባጽዕ ንምጥቃዕ ኣብ ዓላ ተኣኻኺብና ምስ ብርጌድ 44 (ፍሊጰስ ወልደየውሃንስ (ሕጂ ጀነራል) ምስ ዝመርሓ ዝነበረ) ኣሃዱ ናብ ሰምሃር ወሪድና።

ካብ ዶጎሊ ናብ ፎርቶ ባጽዕ ከነጥቅዕ ኣብ እንኸደሉ ዝነበርና እዋን፡ እቲ ግንባር ካብ ገርግሱም ክሳብ ሕርጊጎ እዩ ዝርግሐ ነይርዎ፤ ንሕና ድማ ናብ ፎርቶ ባጽዕ ተጸጊዕና ኣብኡ ድማ ተወጊአ፡ ናብ ሕክምና ዒላ ገመል ተመሊሰ።

ስነ ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)

ምንጪ ስእሊ, Tekle kiflemariam

እቲ ናይ ባጽዕ መጥቃዕቲ ሓያል ሰለዝነበረ ሰራዊት ምዝላቕ ገይሩ ኣብ ድግድግታ ንሰለስተ ወርሒ ጸኒሕና፤

ኣነ ድማ ሽዕኡ ከም ተዋጋኢ ነዊሕ ተመክሮ ኣይነበረንን። ኣብ ኩናት ክሳብ ክንድኡ ከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈለጥን ነይረ። ኩሉ እቲ ስምዒታት ኣብ ውሽጠይ ስለዝነበረ ኸኣ ተወጊአ እንከለኹ ዳርጋ ሰለስተ ገጽ ዝኸውን ግጥሚ ጽሒፈ ኣብ ዒላ ገመል 'ሳሊና' ትብል ደርፊ ሰሪሐ።

እታ ደርፊ ድማ ነቲ ዝነበረ መስዋእቲ መውጋእትን ጅግንነትን እያ ትገልጽ።

ብዙሕ ሰብ ነታ ደርፊ ክሰምዓ እንከሎ ይበክን የስተንትንን ነይሩ። እታ ደርፊ ናይ ብሓቂ ኣብ ህዝቢ ሰሪጻ ነይራ።

ወዲ ትኹል እዛ ደርፊ ኣብ ሰራዊት ከይትስማዕ ተኸልኪላ ነይራ ይብሃል'ዩ፡ ብሓቂ ተኸልኪላ ነይራ ድያ?

ወዲ ትኹል፡ ናይ ባጽዕ መጥቃዕቲ ምስ ፈሸለ፤ ጀብሃ (ተሓኤ) ህዝባዊ ሓይልታት ንሰራዊት ኣብ ዘይተጸንዐ ኵናት ኣእትዩ ብናፓል ኣወዲእዎም ዝብል ጎስጓስ ኣብ ከበሳ ከካይዱ ጀሚሮም ነይሮም።

ኣብዛ ደርፊ ሳሊና ኸኣ ኣነ ከይተረደኣኒ ነቲ ኹሉ ዝነበረ መስዋእቲ ተዋፋይነት ገሊጸዮ ነይረ። ኣብቲ እዋን ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ክፍሊ ዜና ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣብ ከበሳ 'ብስላይድ ቪድዮ' ኣሰንዮም ንህዝቢ ጎስጓስ ክገብሩ እንከለው፡ ነታ 'ሳሊና' እትብል ደርፈይ ናብ ህዝቢ የርእይዋ ነይሮም። እታ ደርፊ፡ ነቲ ሓቀኛ ምስሊ ኵናት ባጽዕ ትገልጾ ስለዝነበረት፡ ነቲ ጀብሃ ኣንጻር ህዝባዊ ሓይልታት ዝገብርዎ ዝነበሩ ጎስጓስ ክትምክቶ ክኢላ።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ዛግር ዝነበሩ ሓለፍቲ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ስውእ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ብሬራይ፡ ሮሞዳን ኣውልያይ፡ ግጥምኻ ሒዝኻዮ ምጻእ ኢሎም ኣጸዊዖሙኒ።

ምስከድኩዎም፡ 'እቲ ንመስዋእቲ ዝገልጽ ቅሉዕ ግጥሚ ሞራል ህዝቢ ክትንክፍ ስለዝኽእል፡ እቲ ንምስዋእቲ ዝግልጽ ግጥምታታ እታ ደርፊ እለዮ' ኢሎሙኒ። ነታ ደርፊ ከም ብሓዲሽ ብኸምዚ ሕጂ ዘላቶ ሰሪሐ ኣብ ዛግር ኮይነ መሊአያ።

ብሓቂ እውን ብዛዕባ መስዋእቲ ድሕሪ 91 እዩ ህዝቢ ተነጊሩ።

እታ ቀዳመይቲ ደርፊ ግን ኣብ ገለ ሕልፍ ሕልፍ ኢላ እንተዘይኮይኑ ኣይትስማዕን'ያ።

ወዲ ትኩል ምዓስ ኢኻ ናብ ባህሊ ውድብ ተሳሒብካ?

ወዲ ትኹል፡ ካብታ ዝተሰለከፍኩላ ክሳብ 1983 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት'የ ነይረ። ኣብ 1983 ከኣ ናብ ባህሊ ውድብ ተሳሒበ፤ ቅድሚኡ ግን ብሓይሊ፡ ብቦጦሎኒ፡ ብበርጌድ፡ ተወዲብና ባህላዊ ምርኢታት ነካይድ ነይርና ኢና።

ኩነታት ርግእ ክብል እንከሎ ተወዲብና ገለ ባህላዊ ምርኢታት ነዳሉ፤ ኵናት እንተኾይኑ ኸኣ ናብ ድፋዕና እናኣተና ንሰርሕ ነይርና።

ካብቲ ኣብ ሳሕል ብዘይ እስቱድዮ ዝመላእኩሞ ብዙሕ ደርፍታት፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ጽሬቱ ኣይነከየን። ብኸመይ ኢኹም ደርፍታትኩም ትቐድሕዎን ትመልእዎን ነይርኩም?

ወዲ ትኹል፡ ኩሉ ነገር ብጻዕርን ተበላሓትነትን እቶም ደኺምና ዘይብሉ ኣዝዮም ህርኩታት ክኢላታት ኣባላት ክፍሊ ዜና እዩ ክውን ኮይኑ። ናይ ብሓቂ እዮም ውፉያት እቶም ብጾት። [ኣብ ሳሕል ንቡር እስቱድዮ ስለዘይነበረ፡ ኣብቲ ዝርካቡ ትሕተ-ምድሪ ኣባይቲ ብኾቦርታን ካልእን ሸፋፊኖም እዮም ደርፍታቶም ዝመልኡ ነይሮም]።

ኩሉኻ ብሓደ ትለማመድ፡ ኩልኻ ድማ ብሓደ ቻነል ትመልእ።

ሕጂ ምልስ ኢለ ክሰምዖ እንከለኹ ድማ ግርም እዩ ዝብለኒ፤ እታ ሽዕኡ ንጥቀመላ ዝነበርና ሚክሰር ክሳብ ሕጂ ኣብ እንዳ ዜና ተዓቂባ'ላ።

ወዲ ትኹል ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እንከለኻን ናብ ባህሊ ውድብ ምስ ተሳሓብካን ምስ ቅጽበታዊ ክስተታት ንእለቱ ደሪስካ ዝደረፍካያ ደርፊ ኣየነይቲ ትኸውን?

ወዲ ትኹል፡ ሓደ ነገር ንጎስዮ ኣለና። ወዲ ትኹል ማእለያ ዘይብሉ ደርፊ ኣፍርየ ክኸውን ይኽእል'የ።

ካብ ትኹል ናብ ገድሊ ክብገስ እንከለኹ እንዳ ሃለቃ'የ ዝምሃር ነይረ፤ ኣቦታትና ፈለስትን ኣቕሽሽትን እዮም ነይሮም፤ ብዛዕባ ደርፍን ግጥምን ንሓስበሉ ነገር ኣይነበረን።

ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፍኩ ግን ኣብቲ ገድሊ ኩሉ ዓይነት ሰብ ጸኒሑኒ ምሁር ፍላስፋ ሓራስታይ ኮታስ ኩሉ ዓይነት ሰብ ጸኒሑና።

ካብቲ ዝነበርናዮ ሕብረተስበ ዝቐየሩና ውልቀ ሰባት ኸኣ ኣለዉ ከመስግኖም ድማ ይደሊ። ስለዚ እቲ ኣነ ናብ ህዝቢ ሒዘዮ ዝቐርብ ዝነበርኩ ስራሓት ውህሉልን ናይ ብዙሓትን እዩ።

ብዓል ሶሎሙን ጽሃየ፤ ስውእ ኢሳይያስ ጸጋይ፤ ኣለምሰገድ ተስፋይን፤ ሰሎሙን ድራርን ካልኦትን ስሒሎሙና እዮም።

ሓደ ነገር ተበግስ'ሞ እዛ ቃል እዚኣ ቀይራ፡ እዛ ግጥሚ እዚኣ እንካ፡ ኣብ ዜማ ከምዚ ንቐይራ እናተባሃለ'ዩ ዝስራሕ ነይሩ።

ናይ ሜዳ ኣሰራርሓ ከምኡ ስለዝነበረ ካባይ ጀሚርካ ከምቲ ናይ ሜዳ ልቢ ሰብ ዘረስርስ ድሕሪ ናጽነት ክንሰርሕ ዘይክኣልና።

ዝበዝሐ ደርፍታትና ምስ ፈጻሜታት ዝተኣሳሰር'ዩ ካብ ኩለን ደርፍታት ሓንቲ ምረጽ እንድሕር ኢልካኒ ግን ጎምበል ትብል ደርፊ ምሓረኹ።

ስነ ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)

ምንጪ ስእሊ, Tekle kiflemariam

እታ ፈጨው ዘርእስታ ካሴትካ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ደርፍታት ትግርኛ ውዕይ ዝበለን ቅልጡፍ ህርመትን ዘለዋ እያ። ኮነ ኢልካ ዲኻ ከምኡ ቐይርካዮ? መዓስ ኢኻ'ኸ ሰሪሕካያ?

ወዲ ትኹል፡ ፈጨው ተለሚዳ'ምበር እታ ካሴት ክንሰርሓ እንከለና 'ጎንበል' ኢና ኢልናያ ነይርና። ኮኬይን ዝብልዋ'ውን ነይሮም'ዮም (ሰሓቕ)።

ኣብቲ እዋን ኩሉ ነገር ቅልጡፍ'ዩ። ኣብ ኵናት ጉያ እዩ። ክትበልዕ ብጉያ፤ ንድፋዕ ክትኣቱ ብጉያ፤ እቲ ህርመት ድማ ንዕኡ ክውክል'ዩ ቅልጡፍ ኮይኑ።

ኣብ 1984 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ንዝነበረ ውቃው እዝ ዝተሰምየ ሰራዊት ደርግ ጸሪግና ብዙሕ ንብረት ማሪኽና። ብዙሓት ቴባትን ናይ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ድምጸውያን ካሴት (ናስትሮ) ረኺብና።

ብዙሕ ተጋዳላይ ኣብ ጅቡኡ ናይ ኣምሓርኛ ካሴታት ሒዙ ኣብ ኩሉ ግንባር ፋሕ ኢሉ።ብደርፍታት ኣምሓርኛ ይዘናጋዕን ይስዕስዕን ነይሩ። ንመዘናግዒ ስዋታት ምስተጾምቀ፡ መዓኮር መዓኮር እናተጋጨኻ እምብር ምብር ኮይኑ (ሰሓቕ)።

ሽዑ ' ባህላዊ ወራር" ይተኣታቶ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ተፈጢሩ እቲ ጉዳይ ከሻቕል ጀሚሩ። ሽዑ ማሕሙድ ሸሪፎ ጸዊዑ፡ "ናይ ግድን ሓንቲ ውዕይቲ ጓይላ ስራሕ" ይብለኒ። ምስ ብጾት ኮይንና ካብ ናይ በዓል በረኸት መንግስትኣብን ጸሃይቱ በራኽን ናይ ቀደም ደርፋታትይን ገይርና ኣብ ዓራግ መሊእናያ።

እታ ደርፊ፡ ካብ ግንባራት ሓሊፋ፡ ኣብ ሱዳን ኣውሮጳን ኣሜሪካን ተባጺሓ፤ ነቲ ዝነበረ ካሴታት ናይ ኣምሓሪኛ እውን ኣህዲኣቶ።

ብድሕሪ'ዚ እቲ ስም ናይታ ካሴት ገሊኦም ፈጨው ገሊኦም ከኣ ኮኬይን ክብልዎ ጀሚሮም(ሰሓቕ) ንምሸቱ ግን እታ ፈጨው እትብል ስም ስዒራ። ነታ ካሴት ሰብ ብፈጨው'ዩ ዝፈልጣ።

ኣብ 1988 ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝን ምተሓዝ ከተማ ኣፍዓበትን ዝደረፍካያ "ይክኣሎ" ትብል ደርፊኸ ከምይ'ዩ ኣሰራርሓኣ፤ እቲ ይክኣሎ ዝብል ንተጋደልቲ ዝተወሃበ መጸውዒኸ ቅድሚኡ ነይሩ ድዩ ዋላስ ድሕሪ እዛ ደርፍኻ ዝመጽአ'ዩ?

ወዲ ትኹል፡ እቲ እዋን፡ ኣነ ኣብ ስሩዕ ሙዚቃ ኣትየ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን እዩ። ምስ ባህሊ ውድብ ብምዃን'ውን ናብ ኣውሮጳን ናብ ኣሜሪካን ዑደት ነካይድ ነይርና ኢና።

ካብ ዑደት ናብ ሳሕል ምስ ተመለስና ኩነታት ናይ ዓዲ ሽሩም ተውዲኡ ጸኒሑና። ኣቑሕትና መሰቐመጥና ኣነ ናብ ኣፍዓበት ከይደ ንውጩ ረኺበዮ።

"ወዲ ትኹል ኣእጋርካ ከይሰበርኩኻ እንከለኹ በዚኣ ገይርካ ትምለስ" ኢሉኒ፤ ነዚ መበሊኡ ካብ ሓልዮት እዩ።

በጃኻ እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩ ንገረኒ'ሞ ደርፊ ክሰርሕ ምስበልኩዎ እቲ ዝነበረ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ነጊሩኒ።

እቲ፡ 'ይክኣሎ ከደ ብዘበዝበ ሓመድ ድበ ናደው ንኸርክብ' ዝብል ኣብታ ደርፊ ዘሎ ግጥሚ'ውን ካብቲ ቅድሚ ምጅማር መጥቃዕቲ ኣፍዓበት፡ ዓንደማርያም ገረዝግሁር (ውጩ - ወዲ ኢታይ)ንሰራዊት ኣኪቡ ካብ ዝበሎ ዝወሰድክዋ እያ።

ነታ ደርፊ ድማ ናብ ዓራግ ተመሊሰ መሊአያ።

ንተጋዳላይ፡ ይክኣሎ፡ ክብሎ እንከለኹ ድማ ነቲ ዘይክኣል ከምዝኽእል ንምግላጽ'የ ነታ ቃል ተጠቒመላ።

ነቲ ዕርድታት ናይ ግንባር ናቐፋ፤ ሽሾ ሰራዊት ደርግን ኣጽዋራቱን ርኢኻ ምፍራስ እዚ ግንባር ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኸውን ርዱእ እዩ ነይሩ። ተጋዳላይ ግን ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ዝነበረ ክዉን ገይርዎ።

"ይክኣሎ ኩሉ ዝክኣሎ

ነብሪ ጫካ ዘይብልካ ጎዶሎ

ኣንጸልካዮም ጸረግካዮም ድሮ

ኩሉ ኣብ ኢድካ እንታይ ጸገም ኣሎ

ሓመልካዮም ኣተዎም ሰለሎ

ናደው ናቅፋ ሕጂ ኣበይ ኣሎ?" እትብል ግጥሚ ገይረ ነቲ ዝነበረ ቅያ ክገልጾ ፈቲነ።

ንተጋደልቲ ከም መጸውዒ እተገልገል ይከኣሎ ትብል ስም ቅድሚኡ ነይራ ድያ?

ወዲ ትኹል፡ ኣነ ምስ ኣቦይ፡ ኣብ እንዳ ሃለቃ (የኔታ) ናይ እምነት ትምህርቲ እየ ዝመሃር ነይረ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣብ ትግርኛ ዘለኒ ዓቕሚ ከምዝጉልብት ገይሩዎ እዩ። ጉዳመኛ ኣምበላይ ትብል ደርፊ'ውን ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ዘውጻእክዋ ደርፊ ነይራትኒ።

ጉዳመኛ ኣንበላይን ይክኣሎን ዝብላ ቃላት ድማ ኣብ ሕበረተሰብና ልሙዳት ኣበሃህላታት እየን።

ኣብ ሕብረተሰብና፡ 'ይከኣሎ'ዩ ኣምላኽ' 'ኣጆኻ ዝወደይ ይከኣሎ'ዩ' ምባል ዝውቱር ኣበሃህላ'ዩ።

ጉዳመኛ ኣምበላይ ዝብል ድማ ሓደ ዘይግቡር ዝገብር፤ ቅያ ንዝፍጽም ንምግላጽ ኣብ ሕብረተስብና ልሙድ ዝኾነ ኣገላልጻ እዩ።

ክልቲአን እዘን ጉዳመኛ ኣምበላይን ይክኣሎን ዝብላ ደርፍታት ድማ ብሓደ እየ ሰሪሐየን።

እሞ ተጋዳላይ'ሲ ድሕሪ እዛ ደርፍኻ'ዩ ይከኣሎ ክብሃል ጀሚሩ?

ወዲ ትኹል፡ እወ ድሕሪ እዛ ደርፊ እዚ'ዩ።

ነቲ ገባሪ ቅያ ዝኾነ ህዝባዊ ሰራዊት 'ይከኣሎ' ምባል ይውሕዶ'ዩ።

ድሕሪኡ ምሕራር (ምትሓዝ) ባጽዕ'ዩ ስዒቡ። ስርሒት ፈንቅል እናኽለዓል ከኣ ምስኡ ዝልዓላ ናትካ፡ ' ባጽዕ- ስየ ናይ ኣልኣዛር ምስግና ጄሪ፡ እቲ ርሱን ጓይላ፡ ናይ ወዲ ሸኽ ከኣ ቀጣን ገበይ ስጋለት ዝብላ ደርፍታት ይዝከራ እየን። ነታ ደርፊ ኣብ ከመይ ኩነታት ኢኻ ደሪፍካያ?

ወዲ ትኹል፡ እወ ባጽዕ-ስየ፤ ኣብ መገሻ ነይርና ናብ ሱዳን ምስ ተመለስና፡ ኣብ ካርቱም ዋና ጽሓፊ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሃየለ ወልደትንሳኤን (ደሩዕ)ን ሰምሃር ብምልእታን ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ነጻ ከምዝኾና ኣበሲሮሙና።

ነታ ደርፊ ድማ ምስ ኣሮን ተኪኤ ኮይንና ኣብ ካርቱም ሰሪሕናያ። ብዛዕባ ባጽዕ ኣብ ኲናት ሳሊና 1977 እኹል ስእሊ ስለዝነበረኒ ነቲ ነገር ከገጣጥሞ ኣየጸገመንን።

ነታ ደርፊ'ውን ኣብ ካርቱም ኣብ ክልተ ምርኢት ኣቕሪብናያ፤ ናብ ትግራይ ምርኢት ከነርኢ ተበጊስና።

ኣብታ ደርፊ ሚእቲን ሳላሳን ሒዛ ቅዱሳን ዝብል ኣሎ? ቅዱሳን መንያ?

ወዲ ትኹል፡ ንሱ ኣብቲ ግጥሚ ክመጽኣልና ኢልና ዝገበርናዮ እዩ (ሰሓቕ)።

ድሕሪ ምሕራር ባጽዕ ናጽነት'ዩ መጺኡ ወዲ ትኹል 24 ግንቦት 1991 ኣበይ ነይርካ?

ወዲ ትኹል፡ ባጽዕ ምስ ተታሓዘት ናብ ትግራይ ኢና ምርኢት ከነርኢ ኬድና። ኣብ ትግራይ ምርኢት ኣርኢና ኣብ መፋርቅ ወርሒ ግንቦት 1991 ናብ ሳሕል ክንመለስ እንከለና ኣብ ባጽዕ ተኣሊና ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰራዊትን ህዝብን ምርኢት ኣቕሪብና።

ብድሕሪ'ዚ ብክልተ ኢነትረ ናብ ሳሕል ተበጊስና፡ ኣብ ከባቢ ሩባ ዒን ምስ በጻሕና ከኣ ኣስመራ ተታሒዛ ኣላ ተመለሱ ተባሂልና፤ ተመሊስና ትኽ ኢልና ናብ ኣስመራ ተመሊስና።

ብሓፈሻዊ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር፤ ኣብ ውሽጢ ሜዳን ኣብ ስደትን ዝግበር ዝነበረ ስነ ጥበባዊ ጎስጓሳት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ተራ ስነ-ጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጽነት እንታይ እዩ ነይሩ? ብዘይ ኣበርክቶ ስነ- ጥበብ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክዉን'ዶ ምኾነ?

ወዲ ትኹል፡ ኣቐዲመ ገሊጸዮ ነይረ። ንሕና ስነ-ጥበባውያን ንኽንከውን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑልና ሰባት ነይሮምን ኣለዉን።

ክንደይ ምሁራትን ፍላስፋታትን ምሳና ስለዝነበሩ ኣበርክቶና ከምዝዓዝዝ ኮይኑ እዩ።

እቲ ናይ ተጋደልቲ ጻዕሪ ድማ ብዘይ ናይ ህዝቢ ደገፍ ናጽነት ዝብሃል'ውን ኣይምመጽአን። ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ኮለል ምሃለና።

ህዝብና ኣብ ወጻኢ ስለዝነበረ ንዕኡ ኣሚንና ኢና'ኮ ናብኡ ንኸይድ ነይርና።

ኣብቲ እዋን እቲ ብውሕዱ 85 ሚእታዊት ካብ ህዝብና ኣብ ጎድኒ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ብርክን እግርን ሰውራ ዘትከለ ኸኣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ውዳቤታቱ ብምሕያል ሰለስተ ርብዒ ናይ ደሞዙ ንሰውራ ዝህብ ህዝቢ እዩ፤ እቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ ነቲ ሓፋሽ ዝኣክል ጎስጓን ሓበሬታን እናሃበ እዩ ናጽነት ክውን ገይሩዎ።

ኩሉ እዚ ተታሓሒዙ እንተዘይግበር ነይሩ ናጽነት ምተጎተተ ጥራይ ዘይኮነ ኣይምመጸአን'ውን።

እቲ ባህላዊ ጎስጓሳት'ከ ክሳብ ክንደይ እዩ ወጽኢት ዘመዝግብ ነይሩ ወዲ ትኹል?

ወዲ ትኹል፡ ባህልን ልምድን እቲ ዝዓበየ ሰረትን መሰረትን ናይ ህዝቢ'ዩ። ንሕና ድማ ዕላማ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና፡ ብትሽዓቲኡ ቋንቋታት ስነ ጥበባዊ መልከዕ ኣትሒዝና ናብ ህዝቢ ነብጽሖ ነይርና።

ኣብዚ ሕጂ ንሕና ትሕዝቶና ሒዝና ናብ ህዝቢ ክንከይድ እንከለና እቲ ሰብ ክሰምዓናን ክርእየናን እንተዘይመጽእ መልእኽትና ናብ መን'ዶ መብጻሕናዮ ነይርና ኢና?

ስለዚ እቲ ሰብ እውን ዕላማ እቲ ሰውራ እንተዘይርኣዮ ነይሩ ዕላማና ክውን ኣይምኾነን። ኩሉ ዝተኣሳሰረ እዩ።

ኣርእስትና "ኣበርክቶ ስነ ጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ" ኣብ ዝብል እዩ ወዲ ትኹል፤ ካብዚ ከነዕልሎ ዝጸናሕና ትውስኾ ነገር እንተልዩካ?

ወዲ ትኹል፡ ተራ ባህላዊ ምርኢታት ኣብ ምምጻእ ናጽነት በዚ ሕጂ ዝበልናዮ ሓደ ከፊል ገሊጸዮ ክኸውን ተስፋ ይገብር እምበር ብዓቕምና ዝግለጽ ኣይኮነን።

ህዝብና ብእኩብ ዝነብር፤ ኣብ መርዓን ሓጎስን ብኣውሎን ማሰን፤ ኣብ ሞትን ሓዘንን ብወየን መልቀስን፤ ኣብ ኩሉ ካልእ ማሕበራዊ ህይወት ንውራያቱ ብዘድምቕ ያታን ልምድን ዝነባበር ህዝቢ እዩ። ንሕና ኣባላት ባህሊ ከኣ እቲ ዘይነጽፍ ያታዊ ክብርታት ህዝብና እዩ ነይሩ ምንጭና። ነቲ ሃብታም ኣበሃህላኡን ኣገላልጻኡን ብስነ-ጥበብ ኩሒልና ነቕርበሉ። ናቱ ስለዝኾነ ከኣ ብሓጎስ ይቕበሎን ይርዕሞን።

ሰብና ካብ ሃገሩ ክስደድ እንከሎ'ውን ነዚ ክብርታት እዚ ሒዙ እዩ ዝስደድ፤ ብሓቂ ክሕሎ ዘለዎ ክቡር ባህሊ ድማ'ዩ።

ብዘይ ኣፋላላይ ዓሌትን ሃይማኖትን ሳላ ዝተቃለሰ ድማ'ዩ ናጽነት ኣምጺኡ፤ እዚ ድማ ንዘልኣለም ክዕቀብ ኣለዎ።

የቐንየለይ ተኽለ ክፍለማርያ ወዲ ትኹል

ክብረት ይሃበለየ ኣነ'ውን የመስግነካ ሃብቶም