ተሓላቒ መሰላት 'ኤሪትሪያ ፎከስ' ንመንግስቲ ብሪጣንያ ከሲሱ

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት 'ኤርትርያ ፎከስ'፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ከብሎ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክሲ ይመስርት ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር 'ኤርትርያ ፎከስ' ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመስርሒ ጽርግያት ኢሉ 20 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ዘበርከቶ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ናቱ ሓገዝ ገይሩ ምንባሩን፡ ሕጊ ዓዲ-እንግሊዝ ድማ እቲ ሰራሕተኛ ዓስቡ ክረክብ ዘገድድ ምዃኑ ገሊጹ።

ወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ጽርጊያ ንምህናጽ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ተወሳኺ ናይ 95 ሚልዮን ዩሮ ከምዝህብን፡ ካብዚ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣስታት 15 ሚልዮን ዩሮ የበርክት ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ክትለምዕ እንተኾይና፡ እቲ ህዝቢ ተረባሒ ክኸውን ከምዘለዎን፡ እቲ ተዋፊሩ ዝሰርሕ ድማ ኣብ ክንዲ ''ተገዲዱ ዝሰርሕ''፡ እኹል ደሞዝ ተኸፊሉ ብድልየቱ ተዋፊሩ ክሰርሕ ከምዘለዎን ገሊጹ።

እዚ ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክትታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ክህሉ ንዝኽእል ንግዳውን ልምዓታውን ምልውዋጥ ሓጋዚ ምዃኑ እዩ ሕብረት ኤውሮጳ ዝገልጽ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ተሓላቒ መሰላት ኤርትራውያን፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝምውሎ ዘሎ ፕሮጀክት ጽርጊያ ደው ከብሎ ብምጥላብ: ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ክሲ መስሪቱ'ሎ።

ኣብ ኣምስተርዳም ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን፡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝምውሎ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገደዶም ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጽ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነዚ ኣመልኪቱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ክሲ፡ ኣካል ንኤርትራ "ንምስይጣን ናይ ዝካየድ ወፍሪ" ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።

ኤርትራ፡ ብተደጋጋሚ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክትንቐፍ ጸኒሓ'እያ።