እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
250,000 ዶላር ጉቦ ዝሃቡ ቻይናውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ትካል ጸረ ብልሽውና ናይጄርያ፡ ንሓደ ናይጄርያዊ በዓል ስልጣን 250,000 ዶላር ጉቦ ሂቦም ንዝበሎም ክልተ ቻይናውያን ኣሲሩ።
እቶም ቻይናውያን ነቲ ገንዘብ፡ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ሸርፊ ክህብዎ እዮም ፈቲኖም ድማ ተባሂሉ።
እቶም መንግ ዊ ከምኡ ድማ ዡ ኮይ ዝበሃሉ ቻይናውያን፡ ብሰሉስ እዮም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም እናሃለዉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቲ ናይጄርያዊ በዓል ስልጣን ድማ፡ ነቲ ኣብ ካርቶናት ዝመልአ ገንዘብ ጉቦ ከምዝተቐበለ ኣምሲሉ እዩ ኣዐሽዩዎም ይብል እቲ ትካል።
እቶም ቻይናውያን፡ ብትካሎም ተፈጺሙ ዝበሃል ናይ ብዙሕ ሚልዮን ዶላራት ብልሽውና ዝምልከት ምጽራይ ይግበር ስለዘሎ፡ እቲ ምርመራ ደው ንምባል እዮም ነቲ ጉቦ ክህቡ ፈቲኖም ተባሂሉ።
ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ናይጄርያ፡ ምስ ህንጸት መገድታትን ናይ ማይ ፕሮጀክትታትን ብዝተኣሳሰር ናይ 130 ሚልዮን ብልሽውና ተፈጺሙ ብዝብል እዩ ምጽራይ ዝገብር ዘሎ።
እዞም ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ብግዝኣት ዛምፋራ ንቻይናዊ ኩባንያ ህንጸት ካብ 2012 ክሳብ 2019 ዝተውሃቡ እዮም።
እቲ ቻይናዊ ኩባንያ ኮነ ኣመሓደርቱ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ኣብ ናይጄርያ፡ ምስ ብልሽውና ብዝተኣሳሰር ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ሰበስልጣን ክእሰሩ ሳሕቲ እዩ ዝረኣይ።