ኢትዮጵያ ንግድብ ሕዳሰ ብማይ ክትመልኦ ከምእትጀምር ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, GRAND ETHIOPIAN RENAISSANCE DAM
ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ምውዳእ ገጹ ተቃሪቡ ዘሎ ግድብ ሕዳሰ፡ ከምቲ ዝተወጠኖ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብማይ ክትመልኦ ከምእትጅመር መንግስቲ ገሊጹ።
እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስተን ኣባለት ሰራዊት ኢትጵያን ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስምምዕ 'ይበጻሕ ኣይበጻሕ ብዘየገድስ' ነቲ ግድብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብማይ ክትመልኦ ወጢና ከም ዘላ ኣፍሊጡ።
እዚ ህንጸቱ ኣብ 2012 ዝተጀመረ: 4 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ፡ ልዕሊ 6,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝኽእልን፡ ክሳብ ሕጂ ድማ 75%ተዛዚሙ ከምዘሎ ይግለጽ።
እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ሓያል ወጥሪ ክፈጥር ከሎ: ሱዳን ኣብ መንጎ ተቐርቂራ ከምዘላ ይግለጽ።
ሰለስቲአን ሃገራት ተደጋጋሚ ርክባት ብምክያድ እኳ እንተዘተያ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።
ግብጺ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ፈለግ ኒል እተማልእ ብምዃና፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከምዝኾነ እያ እትገልጽ።
ግድብ ህዳሰ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ 2012 ዝጀመረ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ኣብቲ ንፈለግ ኒል 85 ሚእታዊት ማይ ዘበርክት ሩባ ኣባይ'ዩ ዝህነጽ ዘሎ።
ኢትዮጵያ ንምታይ ዓብይ ግድብ ክትሃንጽ ደልያ?
ብቢልዮናት ብር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ፡ ንዕብየት ኢትዮጵያ ማዕረ ትርግታ ልቢ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ዝቑጽር።
እቲ ግድብ ተሃኒጹ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።
ብዙሕ ህዝባ፡ ከም ልቡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኽበላ ኢትዮጵያ፡ ኣድላይነት እዚ ግድብ ዘየወላውል እዩ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ብሙሉእ ሓይሉ ጸዓት ከመንጩ ምስ ጀመረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ትኽእል እያ። ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ካብቲ ግድብ ክረብሓ ይኽእላ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ እትረኽቦ: ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ረብሓ፡ ሉኣላውነት ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







