ወተሃደራት ቻይናን ህንድን ኣብ ዶብ ተታዂሶም

ሓደ መራኸቢ ሓፋሽ ህንዲ ከም ዝጸብጸቦ፡ ወተሃደራት ህንድን ቻይናን ኣብ ገለ ዶባት ተታዂሶም።

ኣብቲ ልውውጥ ተኹሲ፡ ሸውዓተ ወተሃደራት ቻይናን ኣርባዕተ ወተሃደራት ህንድን ድማ ቆሲሎም ክብል ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ከምዝተዛረበ ተገሊጹ።

እዚ ብቕድሚ ትማሊ ዕለተ ቀዳመ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ክስት፡ ገለ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወተገሃደራዊ ሓለፍቲ ከረጋግዕዎ ፈቲኖም ተባሂሉ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ነዊሕ ዘራኽበን ዶብ [3400 ኪሎ ሜትሮ] መጠነኛ ጎንጺ ከምዘለዎን ይዝረብ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወካሊ ቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ዶብ ብዙሕ ጎሊሁ ኣይውጻእ 'ምበር ሓደ ሓደ ግዘ ምድፍፋእ፣ ምትንዃስን ምፍትታንን እናተደጋገመ ይመጽእ ኣሎ።

እቲ ዝቐረበ ናይ ምትንዃስ እዋን፡ ናኩ ኣብ ዝተብሃለ ዶብ ከባቢ ሂማልያ እዩ ተራእዩ ነይሩ።

ቻይናን ህንድን ብዶብ ዝተልዓለ ኣብ 1962 ደማዊ ኲናት ኣካይደን እየን።

ቀጺሉ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 2017፡ ቻይና ኣብ ሓደ ዘየሳንየን ግዝኣት ዶብ መንገዲ ክተስፋፍሕ ምስ ፈተነት ተጓኒፈን ነይረን።

ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ወተሃደራተን ዝፋጠጥሉ ኩነታት እንተሎ'ኳ፡ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተታኺሰን ኣይፈልጣን ነይረን።