እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ቻይና ከይኣትዉ ዝተኣገዱ ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት ይቕረታ ኣይንሓትትን ኢሎም
ክልተ ናብ ቻይና ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት በቲ ብዛዕባ ቻይና ዝሃብዎ ነቐፌታ ከም ዘይጠዓሱ ሐቢሮም።
ኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ኣንድሪው ሀስቲን ጀምስ ፓተርሰንን፡ ዝመጽእ ወርሒ ንመጽናዕታዊ ዑደት ናብ ቻይና ክኸዱ ተበጊሶም ነይሮም።
እንተኾነ ግና ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብቕንዕና ምስ ዝጣዓሱ" ጥራይ ናብ ቻይና ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ናይ ቪዛ ሕቶኦም ነጺግዎ ኣሎ።
ኣንድሪውን ጀምስን ግና ነቲ ጠለብ ክነጽግዎ ከለው፡ ርእሰ ከተማ ኣውስትራልያ ካንበሪ ነቲ ውሳነኦም ደጊፋ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ማሪሶን ብወገኑ፡ ክልቲኦም ኣባላት ባይቶ፡ ሓያል ምላሽ ከም ዝሃቡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ቻይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግና "ኣዝዩ ዘሕዝን" እዩ ክብል ገሊጽዎ።
እቶም ዓቃባውያን ፖለቲከኛታት በቲ ብዛዕባ ቻይና፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ጣልቃ ብዛዕባ ምእታዋን ኣመልኪቶም ብዝህብዎ ነቐፌታዊ ርእይቶታት፡ ፍሉጣት እዮም።
ኣብቲ ብዛዕባ ጽልዋታት ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ ዝድህስስ ክትዓት፡ ገለ ፖለቲከኛታት፡ ቻይና ብህያባት ኣቢላ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ጣልቃ ክትኣቱ ትፍትን ምህላዋ ይኸስሱ።
ካልኦት ግና፡ እቲ ክስታት ንጽልኢ ወጻእተኛታት ዘበኣእስን፡ ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝሃስይን ምዃኑ ይዛረቡ።
ኣንድሪው ንውሳነ እቲ ኤምባሲ ኣመልኪቱ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ከም ዝሓዘነ. . .ግና ከም ዘይተገረመ" ገሊጹ።