እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸንሸበ ክሳብ 3 ዓመት ዘእስር ሕጊ ኣጽዲቓ
ሱዳን ንደቂ ኣንስትዮ ክኽንሽቡ ዝተረኽቡ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክእሰሩ ዝድንግግ ሕጊ ኣጽዲቓ።
ኣብ ሱዳን፡ ካብ 14 ክሳብ 49 ዝዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ እተን 87 ሚእታዊት ዝተኸንሸባ ምዃነን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣብ ሱዳን ምኽንሻብ ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ ንቡር ገይርካ እዩ ዝውሰድ።
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ረክሲ ውሽጢ ርሕሚ፡ ረኽሲ ኩሊት፡ ቃንዛ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ፡ ጸገም ፍርያምነትን ካልእ ተመሳሳሊ ጸገምን ከስዕብ ከምዝክእል ምዃኑ'ዩ ዝጥቀስ።
ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ፡ ዘይተኸንሸበት ጓል ኣንስተይቲ ዝምርዓዋ ኣይትረክብን'ያ ዝብልን ጓል ኣንስተይቲ ንክትብሃል ከተማልኦ ኣለዋ ዝብል ጽኑሕ ባህላዊ እምነት ኣሎ።
እዚ ባህላዊ እምነት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስለዝኾነ ኸኣ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ደው ንኽብል ዓለምለኻዊ ጎስጓሳት ብቀጻሊ'ዪ ዝግበር።
ሱዳን'ውን ነዚ ንምትግባር ነቲ ዝነበረ ሕጊ ብምምሕያሽ፡ ዘኸንሸበን ክኽንሽብ ዝተረኸበን ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክእሰር ዘገድድ ሕጊ 22 ሚያዝያ 2020 ብወግዒ ኣጽዲቓ'ላ።