መርዓን ጥምቀትን ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Nick Bennett
ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ነቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ሃዋህው ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ብምቕያር ነቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ህዝቢ'ውን ኣነባብርኡ ከምዝቐየሮ ሪፖርትር ቢቢሲ ሮብ ዊልሰን ይሕብር።
ዘፈር ስልጣን፡ ኣብ ስሜናዊ ጫፍ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲግራት እያ እትነብር። ኣብ እግሪ ሓንቲ መስፈ ዝሓዘት ሰበይቲ ኮፍ ኢላ ትቁነን ኣላ፤ እሂናይ ደኣ ኣይ ጥምቀት ቦክሪ ውላዳ እንድዩ።
ኣብታ ኣብ ኩርናዕ ዘላ ቴሌቪዥን ኸኣ ናይቲ ቅድሚ ዓመት ዝነበረ መርዓኣ 'ቪድዮ' ተወሊዑ፡ ምስታ ቆናኒታ "ርኣይያ በሊ ኩስቶስ ሽሽ ትብል ኣላ' ኣናተብሃሃላ ስሓቕ እናኣቋሰያ ቁኖ በል ይብልኦ ኣለዋ።
"መርዓና ምስቲ ምኽፋት ዶብ ስለዝነበረ ድርብ ሓጎስ'ዩ ነይሩ" ትብል ዘፈር ስልጣን።
ባሕቲ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም [2018 ዓ/ም/ፈረንጂ] ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝነብሩ ህዝቢታት ፍሉይ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ።
ዕስራ ዓመት ዝመዓደዉ ዝነብሩ ጎዶቦታት ተሓቋቂፎም ናፍቖቶም ከውጽኡ ዝኸኣልሉ እዋን ስለዝነበረ።
ኣብ መርዓን ሓዘንን ክተሓዋወሱ ክኢሎም፡ መርዓ ዘፈር ሱልጣንን'ውን ብዙሕ ቤተ ዘመድ'ዩ ኣኻኺቡ፡ ቤተ ዘመድ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን።
"ጥምቀት ውድና'ውን ካብቲ መርዓና ዝፍለ ኣይክኸውንን'ዩ፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከቡ ኣዝማድና ክተኣኻኸቡ'ዮም" ትብል ዘፈር።
እቲ ጥምቀት ኣብ ዛላምበሳ'ዩ ክኸውን፡ ዘላምበሳ መቦቆል ዓዲ ዘፈርን ብዓለ ቤታ ዘርኣይን እዩ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ'ያ ትርከብ።
ዛላምበሳ ካብ 1998-2000 [ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ብዙሕ ኲናት'ያ ርእያ፡ እቲ ዶብ ንልዕሊ 18 ዓመታት ምስ ተዓጸወ ኸኣ ብቁጠባ ሕሱም ተሃስያ።
ኣብታ ከተማ ዝነብር ሰብ ኸኣ ዳርጋ ኹሉ ዛንታ ምፍልላይ ኣለዎ።
"ቀብሪ መቅርብና ካብ ማዕዶ ኢና ንዕዘብ ኔርና"
ከም መርዓ ጥምቀትን ሓዘንን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣጋጣሚታት ኣብዚ መዳውብቲ ህዝቢ፡ እቲ ነቲ ሓደ ክሳተፈ ዘይክእለሉ እዋን'ዮም የሕሊፎም።
መርዓን ሓመድ ድበን መቅርቦም ብማዕዶ ኮይኖም ጥራይ'ዮም ክዕዘቡ ዝኽእሉ ነይሮም።
ኣብርሃለይ ገብረማርያም፡ ኢትዮጵያዊ ሰኣላይ'ዩ፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ምዕጻው ዶባት ኸኣ ኣብ ሓመድ ድበ ዓባዩ ክሳተፍ ከምዘይከኣለ ይዛረብ።
ኣብርሃለይ ነታ ካብ ዶብ ብዙሕ ከይከድካ እትርከብ ዓዲ እናኣመልከተ "ነቲ ቀብሪ ካብ ማዕዶ፡ ካብዚ ኮይንና ጥራይ ኢና ክንዕዘቦ ክኢልና" ይብል።
"ብመንፈስ ግን ዳርጋ ኣብቲ ቀብሪ ተሳቲፍና ኢና" ይውስኽ።
ኣብርሃለይ ዶብ ምስ ተኸፈተ ናብ ኤርትራ ክልተ ግዜ ሰጊሩ ኣዝማዱ ክረኽቦም ክኢሉ'ዩ።
"ኣነ ካብ ክልቲኡ ህዝብታት'የ ዝውለድ ፡ ወዲ ክልቲኤን ሃገራት እየ" ኸኣ ይብል።
ኣብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናት እዘን ክልተ ሃገራት ካብ ክልቲኤን ሃገራት ኣስታት 100 ሽሕ ክመውት እንከሎ፡ ብዙሓት ኸኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም።
እቲ ኣብ ሞንጎ እዞም ህዝብታት ዘሎ ባህላውን ማሕበራውን ርክባት ገን ገና ኣይላሕለሐን፡ ስጡም'ዩ ዘሎ።
ገብርሂወት ካሕሳይ፡ ሓሙ ዘፈር ሱልጣን'ዮም ( ኣቡኡ ንዘርኣይ)።
"መራሕቲ'ምበር ህዝቢኮ ኣይተዋገአን፡ መራሕቲ'ምበር ህዝቢኮ ኣይተጠላለምን" እዮም ዝብሉ።
![እቲ ዶብ እንትኽፈት ባሕቲ ወርሒ መስከረም 2011 ዓም [2018]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/5DB7/production/_111819932_gettyimages-1032008762.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምኽፋት ዶብን ምዕጻውን
ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ኣብ 2018 ምስ ተኸፈት ዛላምበሳ ዓቢይ ለውጢ'ያ ኣርእያ።
ንግዳውን ማሕበራዊ ምንቅስቃሳት ተጀሚሮም፡ ዛላምበሳ ኸኣ ካልእ ከተማ መሲላ።
ኣብርሃለይ" ማእከል ንግዳዊ ምንቅስቃስ ኮይና፡ ኣነ ንባዕለይ ከም ሰኣላይ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ክሰርሕ ዕድል ረኺበ" ይብል።
እቲ ምኽፋት ዶብ ኣዋርሕ ምስ ኣቁጸረ ግን፡ እቲ መራኸቢ ዶብ ዳግማይ ዓጽየምዎ።
እቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶባት ተዓጽዩ እዩ ዘሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ንምንታይ ከምዝተዓጸወ ብሰብ መዚ ዝተውሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
እቲ ዶብ ከም ቀደሙ ብጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ኣይሕሎን'ዩ፡ ካብን ናብን እዘን ሃገራት እቲ ዘይወግዓዊ ምንቅስቃሳት ይቅጽል ኣሎ።
እዚ ክሊቴኣዊ ምንቅስቃሳት ሰባት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፈጺምካ ዝሕሰብ ኣይነበረን።
ኣብቲ ወትሩ ቀዳም ዝካየድ ዕዳጋ ዛላምበሳ ብዙሕ ሰብ ክትረክብ ንቡር እዩ።
ኤርትራውያንን'ውን ዘድልዮም ክሸማምቱ ናብዚ ዕዳጋ ይመጽኡ'ዮም።
ዶብ ዕጹው ስለዝኾነ መካይን ካብን ናብን እዚ ዶብ ክሰጋገራ ኣይክእላን'የን፡ ሰብ ግን ክጾሮ ዝኽእል ሸሚቱ ካብን ናብን ክሰጋገር ይረአ'ዩ።
ዶብ ሰጊርካ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብ ዛላምበሳ እትርከብ መደበር ጥዕና ዋላ ካብ ኤርትራ ንዝመጽኡ'ያ ኣገልግሎት ትህብ።
ዶብ ምስተዓጽወ፡ እቲ ቁጽሪ ብርኡይ እንተነከየ'ኳ፡ ሕጂ'ውን ሓልሓሊፊም ኤርትራውያን ይመጽኡ'ዮም፡ ኩሉ ኸኣ ብማዕረ ኣገልግሎት ይረክብ።
ሳምራዊት ብርሃነ ነዚ መደበር ጥዕና ብግዝያውነት ትመርሖ ዘላ ብዓልቲ ሞያ ጥዕና'ያ።
ሳምራዊት፡ ካብ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ሰብ ከምዝመጽእ ብምሕባር፡ ምስ ውጥን ስድራ ቤት ተኣሳሲሩ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ዝደልያ ብብዝሒ ከምዝመጽኣ ኸኣ ትሕብር።
ኣብ ኤርትራ፡ ደቂ ኣንስትዮ መከላከሊ ጥንሲ ንኽወስዳ ካብ ብዓል ቤተን ፍቃድ ከምዘድልየን እዩ ዝሕበር።
"ነዚ ከምዚ ዓይነት ማሕለኻታት ስለዝጸልአኦ ኸኣ ናባና ክመጽኣ ይቀለን" ትብል ሳምራዊት።

ምንጪ ስእሊ, Nick Bennett
ዘይንነጻጸል ኣሕዋት ኢና
ካብ ዓዲግራት ናብ ዛላምበሳ ገጽካ ክትከይድ እንከለኻ፡ እቲ በረኻታትን ኣኻውሕ ዝበዝሖን ቦታታት ንዓይንኻ ዝስሕብ'ዩ።
እቲ ሓደሽቲ ዝህነጽ ዘሎ ህንጻታት ኸኣ እቲ ካልእ ንዓይኒ ዝስሕብ ተርእዩ'ዩ።
ዶብ እዘን ክልተ ሃገራት ምስ ተኸፈት ብዙሓት ሰብ ርእሰ ማል ኣብዚ ከባቢ ወፍሪ ክገብሩ ተራእዮም'ዮም።
ኤርትራዊ ፍስሃየ ሃይሉ ሓደ ካብኦም ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት ፖሎቲካ ማእሰርቲ ምስ ኣጋጠሞ፡ ቅድሚ 13 ዓመታት እዩ ወጺኡ።
"እዚ ሰላም ምስ ኣጋጠመ፡ ኣብዚ ቦታ መሬት ክገዝእ ሎሚ ጽባሕ ኣይበልኩን" ኸኣ ይብል።
ዓዱ ንፍስሃየ ካብ ዛላምበሳ ርሑቅ ስለዘይኮነ ንዛላምበሳ ካብ ብንእሽትኡ'ዩ ዝፈልጣ።
ኣብ ዛላምበሳ ኸኣ ብዓል ሰለስተ ደርቢ ሆቴል'ዩ ዘስርሕ ዘሎ።
"ባህጊ ውሽጠይ ንክገልጽ ነዚ ሆቴለይ 'ሆቴል ክልተ ኣሕዋት' ኢለ ክስይሞ'የ ሓሲበ ዘለኹ፡ እዚ ኸኣ ዘይንነጻጸል ኣሕዋት ኢና ንምባል'የ ዝብሎ ዘለኹ" ይብል ፍስሃየ።

ምንጪ ስእሊ, Nick Bennett
ስነ ስርዓት ጥምቀት
ስነ ስርዓት ጥምቀት ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ እዩ ዝጅምር፡ እቲ ስነስርዓት ከኣ ናብቲ ናብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀረባ ዝኾን በሪኽ ቦታ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን'ዩ ክካየድ።
ኣብቲ ወራይ ናይ ጥምቀት፡ ካብ ኩሉ ዝመጽኡ ቤተ ዘመድ ክእከቡ'ዮም።
ዘርኣይ ንኹሎም ዝመጽኡ ኣዝማዱ እዩ ዘላልየና፡ ታሕጓሱ ከኣ ኣብ ገጹ'ዩ ዝንበብ። ሕጂ ድማ ካብ ባጽዕ ዝመጸአት ጓል ኣኩኡ ኣላልዩና።
ኣብ 2018 ኣብ መርዕኡ ንክትሳተፍ'ውን መጺኣ ነይራ'ያ።
"ኣብ መርዓይ ምሳይ ውዒላ ሕጂ ድማ ኣብ ጥምቀት ወደይ ምሳና ክትውዕል መጺኣ፡ እዚ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ፍቅርን ባህላዊ ምትእስሳር'ዩ ዘርኢ" ይብል ዘርኣይ።
እዛ ስማ ክትግለጽ ፍቃደኛ ዘይኮነት ካብ ባጽዕ ዝመጻአት ጋሻ፡ እዚ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ንህይወቶም ከምዝቀየሮ'ያ ትገልጽ።
"ዶብ ቅድሚ ምኽፋቱ ምስዚ ሕዚ ዘሎ እዋን ከነወዳድሮ እንተኾይንና ሰማይን ምድርን'ዩ" ትብል።
እዚ ምርኻብ ስድራታት ይቅጽል እኳ እንተሎ፡ እቲ ዶብ ምዕጻዉ ግን ብብዙሕ ነገር ይጸልዎም ከምዘሎ'ዮም ዝዛረቡ።
ዘፈር፡ ኣብዚ ጥምቀት ናይ ወዳ፡ ካብ ኤርትራ ውሑዳት ከም ዝመጽኡ ብምሓብር፡ ዶብ ብኽፉቱ እንከሎ ኣብ መርዐኦም ዝተሳተፉ ስባት ብምዝካር፡ እቲ ምዕጻው ዶብ ዘምጽኦ ጽልዋ ትገልጽ።
"እቲ ዶብ ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ ልብና ኣውዲቅና ካብን ናብን ክንንቀሳቀስ ኣይንኽእልን ኢና" ትብል ዘፈር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







